ኣቦ ንስድራ ቤቱ ኸም ዝመልሳ ተስፋ ይኣቱ
ንዝመፅእ ትውልዲ ኣብ መፅሓፍ ዝተፅሓፈ ቃላት። እቲ ራዕዲ ናይ ሓቂ እዩ፥ እቲ ቍስሊ ድማ ካብ ኩሉ ሰብኣዊ ፈውሲ ዝሓለፈ እዩ፥ ኮይኑ ግና እቲ ዝወቕዖም ኣቦና ባዕሉ ክፍውሶም፥ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳዶም ክሰብሮ፥ መሊሱ ድማ ኣቦኦም ክኸውን ተመባፂዑ ኣሎ።
30 1እቲ ካብ ኣቦና ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቃል፦
2ኣቦና ናይ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ እቲ ዝተዛረብኩኻ ቃል ኣብ መፅሓፍ ፅሓፎ። 3እንሆ፥ ኣቦና ይብል ኣሎ፥ ነቲ ምርኮ ህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን ዝመልሰሉ መዓልቲታት ይመፅእ ኣሎ፥ ይብል ኣቦና፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ምድሪ ድማ ክመልሶም እየ፥ ንሳቶም ከዓ ክወርስዋ እዮም።
4እዚኣቶም እቶም ኣቦና ብዛዕባ እስራኤልን ይሁዳን ዝተዛረቦም ቃላት እዮም፦
5ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድምፂ ራዕዲ ሰሚዕና፥ ፍርሓት ኣሎ፥ ሰላም ከዓ የለን። 6ሕዚ ሕተቱ እሞ ርኣዩ፦ ተባዕታይ ድዩ ዝወልድ? ስለምንታይ ደኣ ንነፍሲ ወከፍ ብርቱዕ ሰብኣይ ከም እትሓርስ ሰበይቲ ኣእዳዉ ኣብ ሕቚኡ ዘንበረ፥ ነፍሲ ወከፍ ገፅ ከዓ ዝፀምለወ፥ እርኢ ዘለኹ? 7እታ መዓልቲ እቲኣ ኽንደይ ዘፍርሕ እያ! ከምኡ ዘሎ የለን። ንያእቆብ ጊዜ ፀበባ እያ፤ ኮይኑ ግና ካብኣ ክድሕን እዩ። 8በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ይብል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣርዑት ካብ ክሳድካ ክሰብሮ፥ መእሰሪኻ ድማ ክበጥስ እየ፤ ደቂ ባዕዲ ድማ ደጊም ባሮት ገይሮም ኣይገዝእዎን እዮም። 9ኣብ ክንድኡ ንኣቦናን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ንጉሶም ዳዊትን ከገልግሉ እዮም። 10ስለዙይ ኣይትፍራሕ፥ ባርያይ ያእቆብ፥ ይብል ኣቦና፥ ኦ እስራኤል ኣይትሸበር ድማ፤ እንሆ፥ ካብ ርሑቕ ከድሕነካ፥ ንደቅኻ ድማ ካብ ምድሪ ምርኮኦም ከድሕኖም እየ እሞ፤ ያእቆብ ናብ ህድኣትን ዕረፍትን ክምለስ እዩ፥ ዘፍርሖ ከዓ ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ። 11ኣነ ከድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ፥ ይብል ኣቦና። ነቶም ኣብ መንጎኦም ፋሕ ዘበልኩኻ ኵሎም ኣህዛብ ፈፂመ እኳ እንተ ኣጥፋእኹዎም፥ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍኣካን፤ ብፍትሒ ደኣ ክቐፅዓካ እየ እምበር፥ ፈፂመ ብዘይ ቅፅዓት ኣይሓድገካን እየ።”
12ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቍስልኻ ዘይሓዊ እዩ፥ መውጋእትኻ ከዓ ብርቱዕ እዩ። 13ነገርካ ዝማጐተልካ የለን፤ ንቍስልኻ ፈውሲ የለን፥ መሕወዪ ድማ የብልካን። 14ኵሎም ፈተውትኻ ረሲዖምኻ፥ ብዛዕባኻ ግዲ የብሎምን። ፀላኢ ኸም ዝወቅዕ ጌረ ወቒዐካ እየ፥ ብቕፅዓት ጨካን ሰብ፥ በደልካ ዓብዪ፥ ሓጢኣትካ ድማ ብዙሕ ስለ ዝኾነ። 15ስለምንታይ ብዛዕባ ቍስልኻ ትጭርሕ ኣለኻ? ቃንዛኻ ዘይሓዊ እዩ። በደልካ ዓብዪ፥ ሓጢኣትካ ድማ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፥ እዙይ ገይረልካ ኣለኹ። 16ስለዙይ ኵሎም እቶም ዝበልዑኻ ክብልዑ እዮም፥ ኵሎም ፀላእትኻ ድማ ነፍሲ ወከፎም ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝዘምቱኻ ክዝመቱ እዮም፥ ኵሎም እቶም ዝማርኹኻ ድማ ንምርኮ ኣሕሊፈ ክህቦም እየ።” 17ጥዕናኻ ክመልሰልካ፥ ቍስልኻ ድማ ከሕውየልካ እየ እሞ፥ ይብል ኣቦና፤ ስዱድ ኢሎም ፀዊዖምኻ እዮም፥ “እዛ ፅዮን እኳ ዝሓትታ የለን” ኢሎም እዮም።
18ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ነቲ ምርኮ ድንኳናት ያእቆብ ክመልሶ፥ ንኣባይቱ ድማ ክርህርሀሎም እየ፤ እታ ኸተማ ኣብ ኩምራኣ ክትሃነፅ እያ፥ እቲ ኣዳራሽ ድማ ኣብ ቦታኡ ክቐውም እዩ። 19ካብኣቶም ምስጋናን ድምፂ ታሕጓስን ክወፅእ እዩ። ከብዝሖም እየ፥ ውሑዳት ከዓ ኣይኮኑን፤ ከኽብሮም እየ፥ ናእሽቱ ከዓ ኣይኮኑን። 20ደቆም ከም ቀደም ክኾኑ እዮም፥ ጉባኤኦም ድማ ኣብ ቅድመይ ክፀንዕ እዩ፥ ንዅሎም እቶም ዝጨቍኑዎም ድማ ክቐፅዖም እየ። 21መራሒኦም ካብኣቶም ክኸውን እዩ፥ ገዛእኦም ድማ ካብ ማእኸሎም ክወፅእ እዩ። ኣነ ከዓ ከቕርቦ እየ፥ ንሱውን ናባይ ክቐርብ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ናባይ ክቐርብ ዝደፍር መን እዩ? ይብል ኣቦና። a a v21 እቲ በይኑ ናብ ኣቦና ንምቕራብ ዝቐርብ ገዛኢ፥ ነቲ ንዅሎም ውሉዱ ናብ ኣቦ መንገዲ ዝኸፍት ኢየሱስ የመልክት። 22“ንስኻትኩም ውሉደይ ክትኮኑ ኢኹም፥ ኣነ ድማ ኣቦኹም ክኸውን እየ።”
23እንሆ፥ ንፋስ ኣውሎ ኣቦና! ቍጥዓ ወፂኡ ኣሎ፥ ዝፀራርግ ህቦብላ፤ ኣብ ርእሲ እቶም ረሲኣን ተዀሊሉ ክወድቕ እዩ። 24ብርቱዕ ቍጥዓ ኣቦና፥ ሓሳብ ልቡ ክሳዕ ዝገብሮን ዝፍፅሞን ኣይምለስን እዩ። ኣብተን ዝመፃ መዓልቲታት ነዙይ ከተስተውዕልዎ ኢኹም።