ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ከቶ ኣይሰደድኩኽን

ኣቦና መፍትሒ ፅሑፍ ኣበይ ከም ዘሎ ይሓትት፥ ንህዝቡ ኸቶ ኸም ዘይሰደዶም ድማ ይገልፅ። ሽዑ እቲ ባርያ ይዛረብ፦ ነቲ ዝደኸመ ዝድግፍ ልሳን ደቀ መዝሙር ተዋሂብዎ፥ ገፁ ኸይሓብአ ንውቅዓትን ምምላሕ ፅሕምን እንትፍ ምባልን ይቕበል፥ ዘፃድቖ ኣብ ቀረባ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ድማ ርግፀኛ እዩ።

ምዕራፍ 50።

ኣቦና ከምዙይ ይብል፦ “እቲ ኣነ ዝሰደድኩላ መፍትሒኣ ዝነግር ፅሑፍ እኖኹም ኣበይ ኣሎ? ወይ ካብ ኣለቅሕተይ ንየናይ እየ ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ብሓጢኣትኩም ተሸጥኩም፥ እኖኹም ድማ ብበደልኩም ተሰደደት። ኣነ ምስ መፃእኹ፥ ስለ ምንታይ ሓደ እኳ ኣይነበረን? ምስ ፀዋዕኩ፥ ዝምልስ ሓደ እኳ ስለ ምንታይ ኣይነበረን? ኢደይ ንምድሓን ሓፃር ድያ? ወይ ንምናጋፍ ሓይሊ የብለይን ድዩ? እንሆ፥ ብተግሳፀይ ንባሕሪ የንቅፆ፥ ንሩባታት ድማ ናብ ምድረ በዳ እልውጦም፤ ዓሳታቶም ማይ ስኢኖም ይጨንዉ፥ ብፅምኢ ድማ ይሞቱ። ንሰማያት ብፀልማት እኽድኖ፥ ብፀሊም ዓለባ ድማ እጐልብቦም።”

ጐይታ ኣቦይ ነቲ ዝደኸመ ዝድግፍ ቃል ክዛረብ ከም ዝኽእል ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ናይ ደቀ መዝሙር ልሳን ሃበኒ። ንግሆ ንግሆ የበራብረኒ፥ ከም ደቀ መዝሙር ክሰምዕ ድማ እዝነይ የበራብር። a a v4 ሳልሳይ መዝሙር ባርያ ናይ ኢሳይያስ — ኢየሱስ ከምቲ ንግሆ ንግሆ ካብ ኣቦኡ ዝመሃር እዙዝ ወዲ ኾይኑ ይዛረብ። እቶም ናይ ስቓይ ዛንታታት ድማ ነዝ ትርኢት እዙይ ኣብ መስቀል የቃልሑ። ጐይታ ኣቦይ እዝነይ ከፈተ፥ ኣነ ድማ ዓመፀኛ ኣይነበርኩን፤ ንድሕሪት ኣይተመለስኩን። ሕቖይ ነቶም ዝወቕዑ፥ ምዕጉርተይ ድማ ነቶም ፅሕሚ ዝመልሑ ሃብኩ፤ ካብ ውርደትን እንትፍ ምባልን ገፀይ ኣይሓባእኩን። ጐይታ ኣቦይ ግና ይሕግዘኒ እዩ፤ ስለዙይ ኣይተዋረድኩን፤ ስለዙይ ገፀይ ከም ኰዅሒ ኣፅናዕኩ፥ ከም ዘይሓፍር ድማ እፈልጥ እየ። እቲ ዘፃድቐኒ ቐሪቡ ኣሎ። መን እዩ ዝማጐተኒ? ብሓንሳእ ደው ንበል። ፀላእየይ መን እዩ? ናባይ ይቕረብ። እንሆ፥ ጐይታ ኣቦይ ይሕግዘኒ እዩ፤ መን እዩ በደለኛ ዝብለኒ? እንሆ፥ ኵላቶም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤ እቲ ብልዕ ክበልዖም እዩ።

ካባኻትኩም ንኣቦና ዝፈርሕ፥ ድምፂ ባርያኡ ድማ ዝሰምዕ መን እዩ? እቲ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ዘይብሉ ሰብ፥ ብስሙ ይእመን፥ ኣብ ኣቦኡ ድማ ይፅጋዕ። እንሆ፥ ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ዅላትኩም፥ ሽግ እትዓጥቁ፦ ብብርሃን ሓውኹም፥ ኣብ መንጎ እቲ ዘንደድኩሞ ሽግ ኪዱ! ካብ ኢደይ እትቕበልዎ እዙይ እዩ፦ ብስቓይ ክትድቅሱ ኢኹም።