ሌዋታን ወደቐ
ኣቦና ከም ሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኽሉ ጊዜ ብጊዜ እናኣጠጠየ ይዛረብ፥ ኣይተቖጣዕኩን ኢሉ ብግልፂ እናበለ። ነቶም እሾዅ እኳ ኣብ ክንዲ ምውግእ ሰላም ክገብሩ ይዕድሞም። ኮይኑ ግና ኣብ ጥቓኡ ፅምዊ ኸተማ ደው ኢላ ኣላ፥ እስራኤል ድማ በብሓደ ይእከቡ።
27 1በታ መዓልቲ እቲኣ ኣቦና ብብርቱዕ ዓብዪን ሓያልን ሰይፉ፥ ነቲ ዝሃድም ተመን ሌዋታን፥ ነቲ ጥውይዋይ ተመን ሌዋታን ክቐፅዕ እዩ፤ ነቲ ገበል ባሕሪ ድማ ክቐትሎ እዩ። a a v1 ሌዋታን፦ ኣብ ናይ ጥንታዊ ቀረባ ምብራቕ ባህሊ ንቐዳማይ ዕግርግርን ክፋእን ዘመልክት፥ ዘፍርሕ ኣፈታሪኻዊ ገበል ባሕሪ እዩ። 2በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብዛዕባኣ ዘምሩ፦ ተፈታዊት ኣታኽልቲ ወይኒ!
3“ኣነ ኣቦኹም ዝሕልዋ እየ፤ ጊዜ ብጊዜ ኣጠጥያ። ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይጐድኣ፥ ለይትን መዓልትን ይሕልዋ። 4ኣይተቖጣዕኩን። እሾዅን ኣሜከላንሲ ኣብ ውግእ ክቃወሙኒ እንተ ዝህልዉ፥ ናብኣቶም ምዝመትኩ፥ ኵሎም ብሓደ ምቃፀልኩዎም። 5ወይ ንዕቝባይ ይሓዝዎ፥ ምሳይ ሰላም ይግበሩ ፦ እወ፥ ምሳይ ሰላም ይግበሩ።”
6ኣብ ዝመፅእ መዓልቲታት ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፥ እስራኤል ክዕምብብ፥ ዕምበባ ክሁብ፥ ንብዘላ ዓለም ከዓ ፍረ ክመልኣ እዩ። 7ከምቲ ነቶም ዝወቕዕዎም ዝወቕዖም ጌሩዶ ወቒዕዎም? ወይ ከምቲ ነቶም ዝቐተልዎም ዝተቐተሉ ተቐቲሎምዶ? 8ብምስጓጓ፥ ናብ ምርኮ ብምስዳዳ ተማጐትካያ፤ እቲ ንፋስ ምብራቕ ምስ ነፈሰ፥ ብብርቱዕ ነፋሱ ኣርሓቓ። 9ስለዙይ ብእዙይ በደል ያእቆብ ክስረ እዩ፥ እዙይ ከዓ ናይ ምውጋድ ሓጢኣቱ ምሉእ ፍረ ክኸውን እዩ፦ ኵሉ እምኒ መሰውኢ ከም ዝተፈጨ ኖራ ምስ ገበሮ፥ ናይ ኣምልኾ ዓፀዳትን መሰውኢ ዕጣንን ደው ኢሎም ኣይተርፉን። b b v9 ናይ ኣምልኾ ዓፀድ፦ ኣብ መምለኺ ቦታታት ከነዓናውያን፥ ንኣስታሮት ዝተብሃለት ጣዖት ንምኽባር ዝቑም ዝነበረ ናይ ዕንፀይቲ ናውቲ ኣምልኾ እዩ። 10እታ ዕርድቲ ኸተማ በይና ደው ኢላ ኣላ፥ ፅምዊ ዝኾነ መንበሪ፥ ከም በረኻ ጥንጥን ዝተብሃለ፤ ኣብኡ ምራኽ ይበልዕ፥ ኣብኡ ተጋዲሙ ጨናፍራ ከዓ ይበጥቕ። 11ጨናፍራ ምስ ነቐፁ፥ ይሰበሩ፤ ኣንስቲ መፂአን ብኣኣቶም ሓዊ ይውልዓ። እዙይ ዘየስተውዕል ህዝቢ እዩ እሞ፤ ስለዙይ ፈጣሪኦም ኣይርህርሃሎምን፥ እቲ ዝደኰኖም ድማ ፀጋ ኣይገብረሎምን።
12በታ መዓልቲ እቲኣ ኣቦና ካብ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ ሩባ ግብፂ ክኸፍክፍ እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ክትእከቡ ኢኹም። 13በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ኣሶር ዝጠፍኡ፥ እቶም ናብ ምድሪ ግብፂ ዝተሰጐጉን ድማ፥ መፂኦም ኣብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቅዱስ እምባ ንኣቦና ክሰግዱ እዮም።