ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣፀናኒዕካኒ ኢኻ

ድሕሪ ፍርዲ ንዘላ መዓልቲ ሓፃር መዝሙር። እቲ ዘማሪ ነቲ ዝተመለሰ ቍጥዓን ነቲ ዝመፀ ምፅንናዕን ብግልፂ ነቦኡ የመስግን፥ ክኣምን ከም ዝኾነ ኣይፈርሕን ድማ ይብል። ብሓጐስ ማይ ይቕዳሕ፥ ፅዮን ከዓ እቲ ቅዱስ ቀረባ ስለ ዝኾነ ትዝምር።

ምዕራፍ 12።

በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ከምዙይ ክትብል ኢኻ፦ “ኦ ኣቦይ፥ ኣባይ ተቘጢዕኻ እኳ እንተ ነበርካ፥ ቍጥዓኻ ተመሊሱ ኣፀናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፥ አመስግነካ። እንሆ፥ ኣቦና ምድሓነይ እዩ፤ ክኣምን እየ፥ ኣይፈርሕን ድማ፤ ኣቦይ ሓይለይን ዝማሬይን እዩ እሞ፥ ንሱ መድሓኒየይ ኮነለይ።” ብሓጐስ ካብ ዒላታት ምድሓን ማይ ክትቀድሑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦ “ንኣቦና ኣመስግንዎ፥ ስሙ ፅውዑ፥ ንዅሎም ህዝብታት ግብርታቱ ኣፍልጡ፥ ስሙ ልዕል ከም ዝበለ ኣውጁ። ንኣቦና ዘምሩ፥ ዝግረም ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፤ እዙይ ኣብ ኵላ ምድሪ ይፈለጥ። ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ፥ ዕልል ድማ በሊ፤ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ ኣቦና ኣብ ማእኸልኪ ዓብዪ እዩ እሞ።”