ኣቦ ንወዱ ናብ ገዛኡ ይፅውዖ
እቲ ዘረባ ኣብዙይ ናይ ኣቦና እዩ። ንኤፍሬም ክኸይድ መሃሮ፥ ኣልዒሉ ፆሮ፥ ድንን ኢሉ ድማ መገቦ፥ ተሓደገ ግና። ደሓር እቲ ምቕያር፥ ከመይ ገይረ እሓድገካ፥ ንሱ ሰብ ኣይኮነን እሞ ብቍጥዓኡ ከም ዘይገብር ይብል።
11 1እስራኤል ቆልዓ እንተሎ፥ ኣፍቀርክዎ፤ ንወደይ ድማ ካብ ግብፂ ፀዋዕክዎ።
2ብዝበዝሐ እናተፀውዑ፥ ብዝበዝሐ ኻባይ ኣግለሱ፤ ነቶም በዓሊም ይስውኡ፥ ነቶም ፅሩባት ምስልታት ድማ ይዓጥኑ ነበሩ። 3ግናኸ ኣነ ባዕለይ ንኤፍሬም ክኸይድ መሃርክዎ፤ ብቐላፅሞም ኣልዒለ ፆርክዎም፤ ኣነ ኸም ዘሕወኽዎም ግና ኣይፈለጡን። 4ብገመድ ሕያዋይነት መራሕክዎም፥ ብማእሰር ፍቕሪ ድማ፤ ነቲ ኣርዑት ካብ መንከዖም ዘልዕል ዝመስል ኰንኩ፥ ድንን ኢለ ድማ መገብክዎም።
5ናብ ምድሪ ግብፂ ኣይክምለሱን እዮም፥ ኣሶር ግና ንጉሶም ክኸውን እዩ፥ ክምለሱ ስለ ዝኣበዩ። 6ሰይፊ ኣብ ከተማታቶም ክዘውር እዩ፥ ንመሸጐር ደጌታቶም ክውድእ እዩ፥ ብሰሪ ምኽሮም ድማ ክበልዖም እዩ። 7ህዝበይ ኻባይ ናብ ምግላስ ፀኒዖም ኣለዉ፤ ናብቲ ልዑል እኳ እንተ ፀውዑ፥ ከቶ ኣየልዕሎምን እዩ።
8ኦ ኤፍሬም፥ ከመይ ገይረ እሓድገካ? ኦ እስራኤል፥ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ እህበካ? ከም ኣዳማ ከመይ ገይረ ኽገብረካ? ከም ሰቦይም ከመይ ገይረ ኽገብረካ? ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተገላበጠ፤ ርህራሄይ ዋዒዩ ተለዓዓለ። a a v8 ኣብዙይ ልቢ ኣቦ ባዕሉ ነቲ ህዝቡ ዝግብኦም ፍርዲ ይቃወሞ፤ ንደቁ ኽሓድጎም ኣይክእልን እዩ። እዙይ ከዓ እቲ ኣብ ልቢ መንነቱ ዘሎ፥ ተመላሲን ሰዓብን ፍቕሪ እዩ። 9ነቲ ነዳዲ ቍጥዓይ ኣይገብሮን እየ፤ ንኤፍሬም መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ። ኣነ ሰብ ዘይኮንኩ፥ ኣቦኻ እየ እሞ፥ እቲ ኣብ ማእኸልካ ዘሎ ቅዱስ እየ፥ ብቍጥዓ ድማ ኣይመፅእን እየ። 10ንኣቦና ክስዕብዎ እዮም፤ ከም ኣንበሳ ድማ ኽጓዝም እዩ። ንሱ ምስ ጓዘመ፥ ደቁ ኻብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ክመፁ እዮም። 11ከም ኣዕዋፍ ካብ ግብፂ እናንቀጥቀጡ ክመፁ እዮም፥ ከም ርግቢ ድማ ካብ ምድሪ ኣሶር፤ ኣብ ኣባይቶም ድማ ከቕምጦም እየ፥ ይብል ኣቦና።
12ኤፍሬም ብሓሰት ከበበኒ፥ ቤት እስራኤል ድማ ብተንኰል፤ ይሁዳ ግና ገና ምስ ኣቦና ይኸይድ ኣሎ፥ ነቲ ቅዱስ ድማ እሙን እዩ።