ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ናይ ምርኮ ምልክት ይሰድድ

ህዝቅኤል ኣቑሑ ኣዳልዩ ብፀልማት ነቲ ገዛእ መንደቑ ኵዒቱ፥ ገፁ ሸፊኑ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ዝጠየቕዎ ጐረባብቲ ነቲ ምርኮ ተዋስኦ ገበሮ። ነቲ ራእይ ፈፂሙ ኣይፍፀምን ዝብል ዝተፈተወ ምስላ፥ ኣቦና እቲ ምፅባይ ከም ዝተወድአ መለሰ።

ምዕራፍ 12።

ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦

“ኦ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ማእኸል ዓመፀኛ ቤት ትነብር ኣለኻ፤ ክርእዩ ዓይኒ እናሃለዎም ኣይርእዩን፥ ክሰምዑ እዝኒ እናሃለዎም ኣይሰምዑን፥ ዓመፀኛ ቤት እዮም እሞ።”

“ስለዙይ ንስኻ፥ ኦ ወዲ ሰብ፥ ናይ ምርኮ ኣቑሕካ ኣዳሉ፥ ብቐትሪ ድማ ኣብ ቅድሚኦም ተማሪኽካ ኺድ። ካብ ቦታኻ ናብ ካልእ ቦታ ኣብ ቅድሚኦም ተማሪኽካ ኺድ። ዓመፀኛ ቤት እኳ እንትኾኑ፥ ምናልባሽ ክርእዩ እዮም።”

“ከም ናይ ምርኮ ኣቑሑ ጌርካ ብቐትሪ ኣብ ቅድሚኦም ኣቑሕካ ኣውፅእ፤ ባዕልኻ ድማ ከምቶም ናብ ምርኮ ዝኸዱ ጌርካ ብምሸት ኣብ ቅድሚኦም ውፃእ።”

“ኣብ ቅድሚኦም ነቲ መንደቕ ኵዓቶ፥ ኣቑሕካ ድማ በቲ ኣውፅእ።”

“ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ማእገርካ ኣልዒልካ ብፀልማት ኣውፅኣዮ። ነታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትርእያ ገፅካ ሸፍን፤ ንቤት እስራኤል ምልክት ጌረካ ኣለኹ እሞ።”

ከምቲ እተኣዘዝክዎ ድማ ገበርኩ። ብቐትሪ ኣቑሐይ፥ ናይ ምርኮ ኣቑሑ፥ ኣውፃእኩ፥ ብምሸት ከዓ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኵዓትክዎ። ብፀልማት ድማ እናረአዩ ኣብ ማእገረይ ፀይረ ኣውፃእክዎ።

ንግሆ ድማ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦

“ኦ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፥ እቲ ዓመፀኛ ቤት፥ ‘እንታይ ትገብር ኣለኻ?’ ኢሉ ኣይጠየቐካንዶ? ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እዝ ትንቢት እዙይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ መስፍንን ብዛዕባ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ቤት እስራኤልን እዩ።’

ከምዙይ በል፦ “‘ኣነ ምልክትኩም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፥ ከምኡ ኽግበሮም እዩ፤ ተማሪኾም ናብ ምርኮ ክኸዱ እዮም። እቲ ኣብ ማእኸሎም ዘሎ መስፍን፥ ብፀልማት ኣቑሑ ኣብ ማእገሩ ኣልዒሉ ክወፅእ እዩ። ምእንቲ ንእኡ በቲ ኼውፅእዎ ነቲ መንደቕ ክዅዕቱ እዮም። ነታ ምድሪ ብኣዒንቱ ምእንቲ ኸይርእያ ገፁ ክሽፍን እዩ። መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ ክዝርግሕ እየ፤ ንሱ ድማ ኣብ መፈንጠረይ ክትሓዝ እዩ። ናብ ባቢሎን፥ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን፥ ከምፅኦ እየ፤ ንሱ ግና ኣይክርእያን እዩ፤ ኣብኡ ድማ ክመውት እዩ። a a v13 እቲ መስፍን ድማ ሰድቅያስ፥ እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ይሁዳ እዩ። ንሱ ኻብ ኢየሩሳሌም እናሃደመ ተታሒዙ፥ ናብ ባቢሎን ቅድሚ ምውሳዱ ኸዓ ዓይኑ ዖረዎ፤ ስለዙይ ልክዕ ከምቲ ዝተነበየ፥ ናብታ ኸተማ በፂሑ ንሳ ግና ፈፂሙ ኣይረኣያን። ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም፥ ሓገዝቱን ኵሉ ሰራዊቱን፥ ናብ ኵሉ ንፋስ ፋሕ ከብሎም እየ፤ ደድሕሪኦም ድማ ሰይፊ ክመዝዝ እየ።

“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ምስ ኣበልክዎም፥ ኣብ ሃገራት ድማ ምስ በተንክዎም፥ ኣነ ኣቦኦም ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።

“ካብ ሰይፍን ጥሜትን መቕሰፍትን ግና ሒደት ሰባት ከትርፍ እየ፥ ምእንቲ ኣብ ማእኸል እቶም ዝኸድዎም ህዝብታት ኵሉ ፅያፎም ክነግሩ። ሽዑ ኣነ ኣቦኦም ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”

ቃል ኣቦና ድማ ናባይ መፀ፦

“ኦ ወዲ ሰብ፥ እንጀራኻ እናተንቀጥቀጥካ ብላዕ፥ ማይካ ድማ እናራዓድካን እናተጨነቕካን ስተ።

“ነቶም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ምድሪ እስራኤል፥ ዝነብሩ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምድሮም ብሰንኪ ዓመፅ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኻብ ኵሉ ምልኣታ ኽትግፈፍ እያ እሞ፥ እንጀራኦም ብጭንቀት ክበልዑ፥ ማዮም ድማ ብራዕዲ ኽሰትዩ እዮም።

“እተን ሰብ ዝነብሩለን ከተማታት ክዓና እየን፥ እታ ምድሪ ድማ ክትባድም እያ። ሽዑ ኣነ ኣቦኹም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።’”

ኣቦ ነቲ ከንቱ ምስላ የጥፍኦ

ቃል ኣቦና ድማ ናባይ መፀ፦

“ኦ ወዲ ሰብ፥ እዝ ኣብ እስራኤል ዘሎ ‘እተን መዓልቲታት ይነውሓ ኣለዋ፥ ኵሉ ራእይ ድማ ይጠፍእ’ ዝብል ምስላ እዙይ እንታይ እዩ?

“ስለዙይ ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ምስላ እዙይ ከጥፍኦ እየ፤ ደጊም ኣብ እስራኤል ኣይክምስልዎን እዮም።’ ኣብ ክንድኡ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦ ‘እተን መዓልቲታት ቀሪበን ኣለዋ፥ ምፍፃም ኵሉ ራእይ ድማ ቀሪቡ ኣሎ። “ኣብ ቤት እስራኤል ዝኾነ ናይ ሓሰት ራእይ ወይ ለማፂ ጥንቆላ ኣይክተርፍን እዩ እሞ።

“ኣነ ኣቦኹም እየ እሞ፤ እቲ ዝዛረቦ ቃል ክዛረብ እየ፥ ንሱ ድማ ክፍፀም እዩ። ደጊም ኣይድንጒን እዩ፤ ኦ ዓመፀኛ ቤት፥ በዘመንኩም ቃል ክዛረብ፥ ክፍፅሞ ድማ እየ፥ ይብል ጐይታ ኣቦ።’”

ቃል ኣቦና ድማ ናባይ መፀ፦

“ኦ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል ‘እቲ ንሱ ዝርእዮ ዘሎ ራእይ ንብዙሕ ዓመታት ዝኸውን እዩ፤ ንሱ ብዛዕባ ርሑቕ ዘመን ይንበ ኣሎ’ ይብሉ ኣለዉ።

“ስለዙይ ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ቃላተይ ሓደ እኳ ደጊም ኣይድንጒን እዩ። እቲ ዝዛረቦ ቃል ክፍፀም እዩ፥ ይብል ጐይታ ኣቦ።”