ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መሰውኢ ነሃስ

ኣብ ዘንግታት ብሩር ዘለዎም ኣዕማድ ብሃሪ መጋረጃታት ኣብ ዝተኸበበ ቅፅሪ፥ ኣቕርንቲ ዘለዎ ብነሃስ ዝተለብጠ መሰውኢ ደው ይብል፤ ሓደ ኣፍ ደገ ዘለዎ ውሱን ቦታ፥ እቲ መስዋእቲ ዝረአየሉ። እስራኤል ድማ ዝተሓፍሰ ዘይቲ ኣውሊዕ የቕርብ፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ቐንዴል ምእንቲ ኸብርሁ።

ምዕራፍ 27።

“ነቲ መሰውኢ ብዕንፀይቲ ሰራው ግበሮ፤ ምንዋሑ ሸውዓተ ፊትን ፈረቓን፥ ወርዱ ኸዓ ሸውዓተ ፊትን ፈረቓን፥ ኣርባዕተ መኣዝን ይኹን፤ ቁመቱ ድማ ኣርባዕተ ፊትን ፈረቓን ይኹን። በርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ግበረሉ፤ እቲ ኣቕርንቲ ምስኡ ብሓደ ይኹን፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ። ሓሙዅሽቱ ዝኣልየሉ ቍራዕን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ውንጭሕትን ምድጃታትን ግበረሉ፤ ኵሉ ኣቑሑኡ ብነሃስ ግበሮ። ከም መርበብ ዝበለ ብነሃስ ዝተገብረ መጋረዲ ግበረሉ፤ ኣብቲ መርበብ ድማ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለበት ነሃስ ግበር። ኣብ ትሕቲ መንከስ እቲ መሰውኢ ግበሮ፤ እቲ መርበብ ከዓ ኽሳዕ ፍርቂ እቲ መሰውኢ ይብፃሕ። ነቲ መሰውኢ ዝኸውን መፃውር ግበረሉ፤ እቲ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ይኹን፤ ብነሃስ ድማ ለብጦ። ነቲ መፃውር ኣብቲ ቐለበታት ኣእትዎ፤ እቲ መሰውኢ ብእኡ ምእንቲ ኽፅወር ድማ፥ ኣብ ክልቲኡ ጐኒ እቲ መሰውኢ ይኹን። ብሉሓት ጌርካ ጓንጓ ግበሮ፤ ከምቲ ኣብ እምባ ዝተርኣየካ ኸምኡ ይግበርዎ።

እቲ ቕፅሪ

“ነቲ ድንኳን ቅፅሪ ግበረሉ፤ ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ፥ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ፥ ሚእትን ሓምሳን ፊት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ናይቲ ወገን እቲ ይኹን። ዕስራ ዓምድን ዕስራ መርገፂ ነሃስን ይኹን፤ መሰቓቐሊ እቶም ኣዕማድን ዘንግታቶምን ከዓ ብሩር ይኹን። ብወገን ሰሜን'ውን ከምኡ፥ ሚእትን ሓምሳን ፊት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ይኹን፤ ዕስራ ዓምድን ዕስራ መርገፂ ነሃስን፥ መሰቓቐሊ እቶም ኣዕማድን ዘንግታቶምን ከዓ ብሩር ይኹን። ብወገን ምዕራብ እቲ ቕፅሪ ወርዱ ከዓ፥ ሰብዓን ሓሙሽተን ፊት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ይኹን፤ ዓሰርተ ዓምድን ዓሰርተ መርገፅን ይኹን። እቲ ቕፅሪ ድማ ብወገን ምብራቕ፥ ብወገን ምውፃእ ፀሓይ፥ ወርዱ ሰብዓን ሓሙሽተን ፊት ይኹን። ነቲ ሓደ ወገን ኣፍ ደገ ዝኸውን መጋረጃታት፥ ዕስራን ክልተን ፊትን ፈረቓን ይኹን፤ ሰለስተ ዓምድን ሰለስተ መርገፅን ይኹን። በቲ ኻልኣይ ወገን ድማ፥ ዕስራን ክልተን ፊትን ፈረቓን ዝምንዋሑ መጋረጃታት፥ ሰለስተ ዓምዲ፥ ሰለስተ መርገፂ ይኹን። መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ድማ፥ ሰላሳ ፊት ይኹን፤ ካብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ ይኹን፤ ኣርባዕተ ዓምድን ኣርባዕተ መርገፅን ይኹን። ኵሉ ኣዕምዲ ኣብ ዙርያ እቲ ቕፅሪ፥ ዘንግታት ብሩር ይኹኖ፤ መሰቓቐሊኦም ብሩር፥ ኣእጋሮም ከዓ ነሃስ ይኹን። እቲ ቕፅሪ ድማ፥ ንውሓቱ ሚእትን ሓምሳን ፊት፥ ወርዱ ብኵሉ ወገኑ ሰብዓን ሓሙሽተን ፊት፥ ቁመቱ ኸዓ ሸውዓተ ፊትን ፈረቓን ይኹን፤ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ፥ ኣእጋሩ ድማ ነሃስ ይኹን። ኵሉ ኣቑሑ እቲ ድንኳን ንዝኾነ ኣገልግሎቱ፥ ኵሉ ሽኻላቱን ኵሉ ሽኻላት እቲ ቕፅርን፥ ብነሃስ ይኹን።

ዘይቲ ነቲ ኵልሻዕ ዝበርህ ቀንዲል

“ንደቂ እስራኤል ድማ ኣዝዞም፤ ብርሃን ዝህብ ፅሩይ፥ ዝፀለለ ዘይቲ ኣውሊዕ ናባኻ ኸምፅኡ፤ ቀንዲል ከዓ ኵልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ። ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብደገ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ ኣቦና የዳልውዎ፤ እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ፥ ኣብ ክንዲ ደቂ እስራኤል ዝኸውን እዩ።” a a v21 “ምስክር” ማለት እቲ ኣብ ውሽጢ ታቦት ኪዳን ዝተቐመጠ ናይ ሕጊ ፅላታት እምኒ እዩ።