ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣሮንን ደቁን ናብ ቀረባ ተፀውዑ

ንኽብርን ንፅባቐን ዝተገብረ፥ ንህዝቢ ኽፅውር ድማ ዝተሰርሐ ናይ ክህነት ኣልባስ፦ ዓሰርተ ኽልተ ስም እስራኤል ኣብ ኣእማን ማእገር ተቐሪፁ፥ ዓሰርተ ኽልተ ብኽቡር እምኒ ዘጌፀ ነገድ ድማ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣሮን ኣብ ዝኣትወሉ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይፅውሮ። ኣብ ግምባሩ ኸዓ ‘ንኣቦ ቅዱስ’ ዝብል ናይ ወርቂ ንጣፍ ይንበብ።

ምዕራፍ 28።

“ንሓውካ ኣሮን ምስ ደቁ ካብ ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርብ፥ ንኣይ ከም ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ፦ ኣሮን፥ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛር፥ ኢታምር። እዚኣቶም ደቂ ኣሮን እዮም። ንሓውካ ኣሮን ድማ ንኽብርን ንፅባቐን ዝኸውን ቅዱስ ኣልባስ ግበረሉ። ነቶም ኣነ መንፈስ ጥበብ ዝመላእኩዎም ኵሎም ጥበበኛታት ድማ፥ ንኣሮን ቀዲሶም ንኣይ ከም ካህን ኮይኑ ምእንቲ ኸገልግለኒ፥ ኣልባሱ ከም ዝሰርሑ ንገሮም። እዝ ዝሰርሑዎ ዘለዎም ኣልባስ እዙይ እዩ፦ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኤፉድ፥ ካባ፥ ዝተኣልመ ቀሚሽ፥ መጠምጠምያ፥ ቕናት እውን። ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ድማ ንኣይ ከም ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ እዝ ቅዱስ ኣልባስ እዙይ ይስርሑሎም። ወርቂ፥ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትሊ፥ ሃሪ ድማ ይጠቐሙ።

ኤፉድ

“ነቲ ኤፉድ ብወርቂ፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን፥ ብክኢላ ጥበበኛ ጌርካ ስርሓዮ። ኣብ ክልቲኡ ጫፉ ዝተጋጠመ፥ ዝጋጠም ክልተ ማእገር ይኹኖ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ቕናት ድማ ከምኡ ይኹን፤ ምስኡ ሓደ ኮይኑ ብወርቂ፥ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ዝተፍሓሰ ሃርን ይኹን። ክልተ እምኒ ኦኒክስ ውሰድ እሞ፥ ስም ደቂ እስራኤል ኣባታቶም ቅረፅ። ሽዱሽተ ኻብ ስሞም ኣብ ሓደ እምኒ፥ እቲ ዝተረፈ ሽዱሽተ ድማ ኣብ ካልኣይ እምኒ፥ ከም ተኸታተልቲ ልደቶም ይኹን። ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይርካ፥ ኣብ ክልቲኡ እምኒ ስም ደቂ እስራኤል ቅረፅ፤ ኣብ ትንጎ ወርቂ ከዓ ኣስኩዓዮ። ነቲ ኽልተ እምኒ ድማ ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን፥ ኣብ ማእገር ኤፉድ ግበሮ፤ ኣሮን ከዓ ንመዘከርታ ኣብ ክልቲኡ ማእገሩ ስሞም ኣብ ቅድመይ ይፆር። ናይ ወርቂ ትንጎ ድማ ግበር፥ ብፅሩይ ወርቂ ድማ ከም ገመድ ዝተፈሕሰ ክልተ ሰንሰለት ግበር፤ ነቲ ዝተፈሕሰ ሰንሰለት ከዓ ኣብቲ ትንጎ ኣፅንዓዮ።

ሳንቃ ኣፍ ልቢ

“ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ፥ ብብልሓት ክኢላ፥ ከምቲ ስራሕ ኤፉድ ገይርካ፥ ብወርቂ፥ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ኾይኑ ድርብ ይኹን፤ ንውሓቱ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ይኹን። ኣብኡ ድማ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ኣዛኒቕካ ስኰዓዮ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፦ ሰርድዮን፥ ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ፤ ኣብ ካልኣይ መስርዕ፦ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ፤ ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፦ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ፤ ኣብ ራብዓይ መስርዕ ከዓ፦ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ፤ እዚኣቶም ኣብ ትንጎ ወርቂ ተሰዂዖም ይኹኑ። እቲ ኣእማን ከም ቍፅሪ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ይኹን፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ከም ማሕተም ተቐሪፁ፥ በብስሙ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ ይኹን። ንሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝኸውን ድማ፥ ብፅሩይ ወርቂ ከም ገመድ ዝተፈሕሰ ሰንሰለት ግበር። ንሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ክልተ ቐለበት ወርቂ ግበር፤ ነቲ ኽልተ ቐለበት ከዓ ኣብ ክልቲኡ ጫፉ ኣፅንዓዮ። ነቲ ኽልተ ናይ ወርቂ ገመድ ድማ፥ ኣብቲ ኣብ ጫፍ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለበት ኣፅንዓዮ። ነቲ ዝተረፈ ኽልተ ኣንፊ ናይቲ ገመዳት ድማ ኣብቲ ኽልተ ትንጎ ኣፅኒዕካ፥ ኣብ ማእገር ኤፉድ ብወገን ቅድሚት ኣጋጥሞ። ክልተ ቐለበት ወርቂ ድማ ግበር፤ ኣብ ክልቲኡ ጫፍ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብቲ ጥቓ ኤፉድ ዘሎ ውሽጣዊ ወሰኑ ግበሮ። ካልእ ክልተ ቐለበት ወርቂ ድማ ግበር፤ ኣብ ክልቲኡ ማእገር ኤፉድ ብታሕቲ፥ ብወገን ቅድሚት፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዝጋጠመሉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኣፅንዓዮ። ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብቐለበታቱ ናብ ቐለበት ኤፉድ ብሰማያዊ ፍሕሶ ይተኣሰር፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ምእንቲ ኽፀንሕ፥ ካብ ኤፉድ ከዓ ምእንቲ ኸይፍታሕ። ኣሮን ድማ ናብ ቅዱስ ስፍራ ክኣቱ እንተሎ፥ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፥ ስም ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ልቡ፥ ኣብ ቅድመይ ንዘየቋርፅ መዘከርታ ይፆሮ። ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ፥ ኡሪምን ቱሚምን ግበር፤ ኣሮን ናብ ቅድመይ ክመፅእ እንተሎ፥ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይኹኑ። ኣሮን ድማ ፍርዲ ደቂ እስራኤል ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይፆሮ። a a v30 ኡሪምን ቱሚምን እቲ ሊቀ ካህናት ውሳነ ኣቦና ንህዝቡ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝፆሮም ዝነበረ ቅዱሳት ኣቑሑ እዮም።

ካባን ናይ ወርቂ ገይፅን

“ነቲ ናይ ኤፉድ ካባ ድማ ብምሉኡ ብሰማያዊ ጌርካ ስርሓዮ። ኣብ ማእኸሉ ድማ መእተዊ ርእሲ ይኹኖ፤ ምእንቲ ኸይቕደድ ከዓ፥ ከም ኣፍ ድርዒ ገይርካ፥ ነቲ ኣፍ ብዙርያኡ ብማእለማ ኸበሶ። ኣብ ዘፈሩ ድማ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትሊ ጌርካ ሮማናት ግበረሉ፤ ኣብ መንጎ እቲ ሮማናት ከዓ ናይ ወርቂ ቓጭላት ግበር። ናይ ወርቂ ቓጭልን ሮማንን፥ ናይ ወርቂ ቓጭልን ሮማንን እናተኸታተለ፥ ኣብ ዘፈር እቲ ካባ ብዙርያኡ ይኹን። ኣሮን ድማ ከገልግል እንተሎ ይልበሶ። ናብ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ቅድመይ ክኣትውን ክወፅእን እንተሎ፥ ምእንቲ ኸይመውት፥ ድምፁ ይስማዕ።

“ብፅሩይ ወርቂ ድማ ገይፂ ግበር፤ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይርካ ከዓ ‘ንኣቦ ዝተቐደሰ’ ኢልካ ቅረፀሉ። ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ ድማ፥ ኣብ መጠምጠምያ፥ ኣብ ቅድሚት እቲ መጠምጠምያ ኣፅንዓዮ። ኣብ ግምባር ኣሮን ድማ ይኹን፤ ደቂ እስራኤል ከም ቅዱስ መባኦም ገይሮም ዝቕድስዎ ቅዱሳት ነገራት በደል ከዓ ንሱ ይፅወር። ኣብ ቅድመይ ቅቡል ምእንቲ ኽኾኑ፥ ኵልሻዕ ኣብ ግምባሩ ይፀንሕ። ነቲ ናይ ሃሪ ቀሚሽ ብማእለማ ኣልሞ፤ ናይ ሃሪ መጠምጠምያ ድማ ግበር፤ ነቲ ቕናት ከዓ ብምጥላፍ ስራሕ ግበሮ። ንደቂ ኣሮን ድማ ቐማውሽ ግበረሎም፤ ቕናውትን ቆቡዓትን እውን ግበረሎም፤ ንኽብርን ንፅባቐን። ንኣሮን ሓውካን ምስኡ ንደቁን ኣልብሶም፤ ቀብኣዮም፥ መዓርግ ክህነት ሃቦም፥ ቀድሶም፤ ንኣይ ከም ካህናት ምእንቲ ኸገልግሉኒ። ዕርቃን ስጋኦም ዝኽድን ናይ ሃሪ ስረ ድማ ግበረሎም፤ ካብ ማዕጠቖ ክሳዕ ሰለፎም ይበፅሕ። ኣሮንን ደቁን ናብ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ወይ ኣብ ቅዱስ ቦታ ከገልግሉ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ፥ በደል ፆይሮም ምእንቲ ኸይሞቱ፥ ነዙይ ይለብስዎ። እዙይ ንእኡን ድሕሪኡ ንዘርኡን ሕጊ ዘለኣለም እዩ።”