ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንካህናቱ ይፈሊ

ናይ ክህነት ሽመት ኣብ ሸውዓተ መዓልቲ ስጉምቲ ብስጉምቲ፦ ምሕፃብ፥ ምኽዳን፥ ምቕባእ፥ ኣእዳው ኣብ ልዕሊ እቲ ዝራብዕን ማጕላታትን ምንባር፥ ደም ኣብ እዝንን ኣብ ዓባይ ኣፃብዕ ኢድን እግርን። በቲ መቖምያ ዅሉ ኸዓ ይውዳእ፦ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ክነብር እየ፥ ኣቦኦም ድማ ክኸውን እየ፥ ንሳቶም ከዓ ክፈልጡ እዮም።

ምዕራፍ 29።

“ከገልግሉኒ ብኽህነት ምእንቲ ኽትቕድሶም ድማ ከምዙይ ግበር፦ ሓደ ንእሽቶ ዝራብዕን ነውሪ ዘይብሎም ክልተ ማጕላን ውሰድ፥ ዘይበዅዐ እንጀራን ዘይቲ ዝተሓወሶ ዘይበዅዐ ቕጫታትን ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫታትን ድማ ውሰድ፤ ኵሉ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ስርናይ ይኹን። ኣብ ሓደ መሶብ ገይርካ ድማ ምስቲ ዝራብዕን ምስቲ ኽልተ ማጕላን ኣብኡ ሓቚፍካ ኣቕርቦም። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣምፂእካ ብማይ ሕፀቦም። ነቲ ኽዳውንቲ ወሲድካ ድማ ንኣሮን ቀሚሽን ካባ ኤፉድን ኤፉድን ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ፤ ነቲ ዝተኣልመ ቅናት ኤፉድ ከዓ ኣብኡ እሰረሉ። ኣብ ርእሱ መጠምጠምያ ግበረሉ፤ ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ። ነቲ ዘይቲ ቅብኣት ድማ ወሲድካ ኣብ ርእሱ ኣፍሲስካ ቅብኣዮ። ንደቁ ድማ ኣቕሪብካ ቀማውሽ ክደኖም። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ቅናውቲ ኣቐኖም፤ ቆቢዕ ከዓ ግበረሎም። ክህነት ድማ ብስርዓት ዘለኣለም ናታቶም ይኹን። ስለዙይ ንኣሮንን ንደቁን ቕደሶም።

“ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ቅድሚ መራኸቢ ድንኳን ኣምፅኣዮ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ። ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድመይ ሕረዶ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ በፃብዕትኻ ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢ ግበሮ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ ኣፍስሶ። ነቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዘሎ ኵሉ ስብሕን ቃንጡጥ ከብድን ክልቲኡ ዅላሊት ምስ ስብሖምን ወሲድካ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፅሎ። ስጋ እቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ፈርሱን ግና ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣቃፅሎ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።

“ሓደ ማጕላ ድማ ውሰድ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ። ነቲ ማጕላ ድማ ሓሪድካ ደሙ ወሲድካ ኣብ ዙርያ መሰውኢ ንፀጎ። ነቲ ማጕላ ድማ ቆራሪፅካ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ሓፂብካ ምስ ቍራፅኡን ርእሱን ግበሮ። ነቲ ማጕላ ድማ ብምሉኡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፅሎ። እዙይ ንኣይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ደስ ዘብል ጥዑም ጨና፥ ናባይ ዝቐርብ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

“ነቲ ኻልእ ማጕላ ድማ ውሰድ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ። ነቲ ማጕላ ድማ ሓሪድካ ኻብ ደሙ ወሲድካ ኣብ መስቈር የማነይቲ እዝኒ ኣሮንን ኣብ መስቈር የማናይ ኣእዛን ደቁን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኣእዳዎምን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኣእጋሮምን ግበሮ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ ዙርያ መሰውኢ ንፀጎ። ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን ካብቲ ዘይቲ ቅብኣትን ወሲድካ ድማ ኣብ ኣሮንን ኣብ ክዳውንቱን፥ ምስኡ ኸዓ ኣብ ደቁን ኣብ ክዳውንቶምን ንፀጎ። ሽዑ ንሱን ክዳውንቱን ምስ ደቁን ክዳውንቶምን ቅዱሳት ክኾኑ እዮም። ካብቲ ማጕላ ድማ ነቲ ስብሒ ወስድ፦ ሕልሕሉን ነቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዘሎ ስብሕን ቃንጡጥ ከብድን ክልቲኡ ዅላሊት ምስ ስብሖምን የማነይቲ እግርን ውሰድ፤ ንሱ ማጕላ ምቕባል ክህነት እዩ እሞ። ካብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ዘይበዅዐ እንጀራ ዝሓዘ መሶብ ድማ ሓደ ቕጫን ሓደ ብዘይቲ ዝተገብረ ሕብስትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ውሰድ። ነዝ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ደቁን ገይርካ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይርካ ወፍዮም። ካብ ኣእዳዎም ድማ ወሲድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣቃፅሎም፤ ኣብ ቅድመይ ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ። ንኣይ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።

“ካብቲ ናይ ኣሮን ማጕላ ምቕባል ክህነት ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲድካ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይርካ ወፍዮ፤ ንሱ ብፅሒትካ እዩ። ነቲ እናወዝወዝካ ዝቐርብ ሓኸለን ነቲ ዝለዓል እግርን ከዓ ካብቲ ማጕላ ምቕባል ክህነት፥ ናይ ኣሮንን ናይ ደቁን ብፅሒት ገይርካ ፈልዮ። ንሱ ኻብ ደቂ እስራኤል ናይ ኣሮንን ናይ ደቁን ዘለኣለማዊ ብፅሒት እዩ፤ ንሱ ዝለዓል መስዋእቲ እዩ እሞ፤ ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ዝለዓል መስዋእቲ፥ ናባይ ዘቕርብዎ መባእ እዩ።

“እቲ ናይ ኣሮን ቅዱስ ክዳውንቲ ድማ ድሕሪኡ ናብ ደቁ ይመሓላለፍ፤ ብእኡ ኽቅብኡን መዓርግ ክህነት ክቕበሉን እዮም። እቲ ኽንዲኡ ኻህን ኮይኑ ዝትክእ ወዱ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኸገልግል ናብ መራኸቢ ድንኳን ዝኣቱ ድማ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ይልበሶም።

“ነቲ ማጕላ ምቕባል ክህነት ድማ ወሲድካ ስጋኡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ። ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ድማ ኣሮንን ደቁን ስጋ እቲ ማጕላን ነቲ ኣብ መሶብ ዘሎ እንጀራን ክበልዑ እዮም። ነቲ ብመዓርግ ክህነቶምን ብምቕዳሶምን ስርየት ዝገበረ ድማ ይብልዑ፤ ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ ግና ቅዱስ እዩ እሞ ኻብኡ ኣይብላዕ። ካብቲ ስጋ ምቕባል ክህነት ወይ ካብቲ እንጀራ ኽሳዕ ንግሆ እንተ ተረፈ ድማ፥ ነቲ ዝተረፈ ብሓዊ ኣቃፅሎ። ቅዱስ እዩ እሞ ኣይብላዕ።

“ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ጌርካ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ግበረሎም። ኽትቕድሶም ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ግበር። ምእንቲ ስርየት ድማ በብመዓልቱ ሓደ ዝራብዕ ክንዲ ሓጢኣት ሰውእ። ነቲ መሰውኢ ድማ ስርየት ብምግባር ኣንፅሆ፤ ምእንቲ ኽትቅድሶ ኸዓ ቅብኣዮ። ንሸውዓተ መዓልቲ ድማ ነቲ መሰውኢ ስርየት ግበረሉ፤ ቀድሶ ኸዓ። ሽዑ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ፤ ዝተንከዮ ዅሉ ኸዓ ቅዱስ ክኸውን እዩ።

“እቲ ኣብ መሰውኢ እተቕርቦ ድማ እዙይ እዩ፦ በብመዓልቱ ክልተ ወዲ ዓመት ጡበታት ኣባጊዕ ብዘይ ምቁራፅ ኣቕርብ። ነቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ጊሓት ሰውኣዮ፤ ነቲ ኻልእ ጡበት በጊዕ ከዓ ክመሲ እንተሎ ሰውኣዮ። ምስቲ ቐዳማይ ጡበት በጊዕ ድማ ብሓደ ሊትሮ ዝፀለለ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ኣቕርብ፤ ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርብ። ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ከዓ ኽመሲ እንተሎ፥ ከምቲ ናይ ጊሓት መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ገይርካ ስውኣዮ፤ ንኣይ ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ዘለዎ፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድመይ ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ክዛረበኩም ምሳኻትኩም ክራኸብ እየ። ኣብኡ ድማ ምስ ደቂ እስራኤል ክራኸብ እየ፤ እታ ቦታ ኸዓ በኽብረይ ክትቅደስ እያ። ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መሰውእን ክቅድሶ እየ፤ ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብኽህነት ምእንቲ ኸገልግሉኒ ኽቅድሶም እየ።

ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ክነብር እየ፤ ኣቦኦም ድማ ክኸውን እየ። ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ክነብርስ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእክዎም ኣቦኦም ኣነ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። ኣቦኦም ኣነ እየ።”