መሰውኢ ዕጣን
መሰውኢ ዕጣን፥ ጨና ንግሆን ምሸትን ዝለዓለሉ፤ ካብ ሃብታምን ድኻን ብማዕረ ዝውሃብ ሓደ ዓይነት ንእሽተይ ሚዛን ብሩር በጃ፤ ካህናት ቅድሚ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽሕፀቡ ብነሃስ ዝተሰርሐ ገበራ፤ ብኣቃምማ ዝተዳለወ፥ ንብሕታዊ ጥቕሚ ኸዓ ዘይቅዳሕ ዝተቐደሰ ዘይትን ዕጣንን።
30 1“ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ግበር፤ ብዕንፀይቲ ሰራው ድማ ስርሓዮ። 2ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ይኹን፤ ንውሓቱ ሓደ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመት፥ ምብራኹ ኸዓ ክልተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ምስቲ መሰውኢ ብሓደ ይኹን። 3ርእሱን ኵሉ ዙርያ ጐኑን ምስ ኣቕርንቱ ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ፤ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። 4እቲ ዝፅወረሉ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ብኽልተ ተፃራሪ ጐኑ ክልተ ቐለበት ወርቂ ግበረሉ። 5ነቲ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ግበሮ፤ ብወርቂ ድማ ለብጦ። 6ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጥቓ ታቦት ምስክር ዘሎ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ምስክር ዘሎ መኽደን ኣንብሮ፤ ኣብኡ ድማ ምሳኻ ክራኸብ እየ። 7ኣሮን ኵሉ ንግሆ ነቲ መብራህቲ ኸዳሉ እንተሎ፥ ኣብ ልዕሊኡ ምዑዝ ዕጣን የዕጥን። 8ኣሮን ድማ ምሸት ነቲ መብራህቲ ኸብርህ እንተሎ፥ ነዕጥኖ፤ እዙይ ኣብ ቅድመይ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ንዅልሻዕ ዝዕጠን ዕጣን እዩ። 9ኣብ ልዕሊኡ ዘይተኣዘዘ ዕጣን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ወይ መስዋእቲ እኽሊ ኣይተቕርብ፤ መስዋእቲ መስተ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተፍስሱ። 10ኣሮን ኣብ ዓመት ሓደ ሳዕ ኣብ ኣቕርንቱ ስርየት ይገብር፤ ብዓመት ሓደ ሳዕ ድማ ብደም መስዋእቲ ሓጢኣት ስርየት፥ ንውሉድ ወለዶኹም ስርየት ይገብረሉ። እዙይ ንኣይ እምብዛ ቅዱስ እዩ።”
ጋር ነፍሲ ቍፀራ
11ኣቦና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
12“ንደቂ እስራኤል ክትቍፅሮም ፀብፀቦም እንተ ወሰድካ፥ ኣብ ምቕፃሮም መዓት ከይወርዶም፥ ነፍሲ ወከፍ በቲ ምቕፃር ብዛዕባ ነፍሱ ጋር ነፍሲ ናባይ የቕርብ። 13ነፍሲ ወከፍ ዝቍፀር፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ፍርቂ ሰቕሊ ብሩር፥ መባእ ገይሩ ንኣይ ይሃብ። 14ነፍሲ ወከፍ ዝቍፀር፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ነዝ መባእ እዚ ንኣይ ይሃብ። 15ብዛዕባ ነፍስኹም ስርየት ክትገብሩ ንኣይ ከተቕርብዎ እንተለኹም፥ እቲ ሃብታም ካብዛ ፍርቂ ሰቕሊ ኣይውስኽ፥ እቲ ድኻ ኸዓ ኣየጕድል። 16ነቲ ገንዘብ ስርየት ካብ ደቂ እስራኤል ወሲድካ ድማ ንኣገልግሎት መራኸቢ ድንኳን ሃቦ። እዙይ ብዛዕባ ነፍስኹም ስርየት ክገብር፥ ኣብ ቅድመይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ክኸውን እዩ።”
ናይ ነሃስ ገበራ
17ኣቦና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
18“ንመሕፀቢ ዝኸውን ብነሃስ ዝተሰርሐ ገበራ ምስ ናይ ነሃስ ኣጋሮኡ ግበር፤ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ኣንብሮ፤ ማይ ከዓ ግበረሉ። 19ኣሮንን ደቁን ድማ ብእኡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይሕፀቡ። 20ናብ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ ከይሞቱ ብማይ ይሕፀቡ፤ ወይ ድማ ንኣይ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኼዕጥኑ ኼገልግሉ ናብ መሰውኢ ክቐርቡ እንተለዉ ይሕፀቡ። 21ከይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይሕፀቡ። እዙይ ንኣሮንን ንዘርኡን ንውሉድ ወለዶ ዘለኣለማዊ ሕጊ እዩ።”
ቅዱስ መቕብኢ ዘይቲ
22ኣቦና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
23“ፀፅቡቕ ቀመማት ውሰድ፤ ሹዱሽተ ኪሎ ግራም ፈሳሲ ከርበን፥ ፈረቓ ዝኾነ ሰለስተ ኪሎ ግራም ምዑዝ ቀረፋ፥ ሰለስተ ኪሎ ግራም ምዑዝ ሻምብቆ፥ 24ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተመዘነ ሹዱሽተ ኪሎ ግራም ካሲያ፥ ኣርባዕተ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ድማ ውሰድ። 25ከምቲ ብኽኢላ ቐማሚ ዝግበር ገይርካ ድማ፥ ዝተለወሰ ምዑዝ ዘይቲ፥ ቅዱስ መቕብኢ ዘይቲ ግበሮ፤ እዙይ ቅዱስ መቕብኢ ዘይቲ ይኹን። 26በእኡ ድማ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከምኡ ድማ ታቦት ምስክር ቅብኣዮ፤ 27ነቲ ጠረጴዛን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ኣቑሑኡን፥ ነቲ መሰውኢ ዕጣንን፥ 28ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውእን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ገበራ ምስ ኣጋሮኡን ቅብኣዮ። 29ኣዝዩ ቅዱሳን ምእንቲ ኽኾኑ ቀድሶም፤ ዝተንከዮም ኵሉ ድማ ቅዱስ ይኸውን። 30ንኣሮንን ንደቁን ቅብኣዮም፤ ካህናተይ ክኾኑ ድማ ቀድሶም። 31ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዙይ በሎም፦ ‘እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ቅዱስ መቕብኢ ዘይተይ ይኹን። 32ኣብ ስጋ ዝኾነ ሰብ ኣይተፍስስዎ፤ ከምኡ ዝበለውን ከም ኣቀማምማኡ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ፤ ንኣኻትኩምውን ቅዱስ ይኹን። 33ከምኡ ዝበለ ዝሓውስ፥ ወይ ኣብ ጓና ሰብ ዝገብሮ ኵሉ፥ ካብ ህዝቡ ይጥፋእ።’”
ቅዱስ ዕጣን
34ኣቦና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ምዑዝ ቀመማት፥ ስታክቴን ኦኒካን ጋልባኖምን፥ እዝ ምዑዝ ቀመማት እዚ ምስ ፅሩይ ዕጣን፥ ማዕረ ማዕረ ውሰድ፤ a a v34 ስታክቴን ኦኒካን ጋልባኖምን፥ ኣብ ጥንታዊ ቀረባ ምብራቕ ንምድላው ዕጣን ዝውዕሉ፥ ምዑዝ ዝጨናኦም ናይ ኣትክልቲ ሙጫታት እዮም። 35ከምቲ ብኽኢላ ቐማሚ ዝግበር ገይርካ ድማ፥ ብጨው ዝተቐመመ፥ ፅሩይ ዝኾነ ቅዱስ ምዑዝ ዕጣን ግበሮ። 36ገሊኡ የመና ጥቕ ኣቢልካ ድቀቖ፤ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ኣነ ዝረኽበካ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ምስክር ኣንብር። እዙይ ንኣኻትኩም ኣዝዩ ቅዱስ ይኹን። 37ከም ኣቀማምማ እዝ ዕጣን እዚ ንርእስኹም ኣይትግበሩ፤ ንኣይ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ቅዱስ ይኹን። 38ነቲ ጨና ኽሽትት ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዝገብር ኵሉ፥ ካብ ህዝቡ ይጥፋእ።”