ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዓሰርተ መጋረጃታት ሃሪ

እቲ ድንኳን ባዕሉ፦ ዓሰርተ ዝተጠልፉ ሃሪ መጋረጃታት ብሓደ ተጋጢሞም፥ ካብ ፀጕሪ ጤልን ካብ ቈርበትን ዝተገብረ መኽደናት ኣብ ልዕሊኦም፥ ብወርቂ ዝተለብጠ ዕንፀይቲ ሰራው ሉሓት ኣብ መርገፂ ብሩር፥ ነቲ ቅዱስ ካብ እቲ ቕድስተ ቅዱሳን ዝፈሊ ኪሩቤል ዘለዎ ዝተጠልፈ መጋረጃን። ኵሉ ኸዓ ከምቲ ኣብ እምባ ዝተርኣየ ምስሊ ተሰርሐ።

ምዕራፍ 26።

“ነቲ ድንኳን ካብ ዓሰርተ መጋረጃታት ግበሮ፦ ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ብጥበበኛ ሰራሕተኛ ዝተጠልፉ ኪሩቤል ዝተሰርሐ ይኹን። ነፍሲ ወከፍ መጋረጃ ንውሓቱ ዕስራን ሾመንተን እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን፤ ኵሉ እቲ መጋረጃታት ሓደ ዓይነት ስፍሪ ይሃልዎ። ሓሙሽተ መጋረጃታት ንስንሳቱ ይጋጠም፤ እቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ድማ ንሕድሕዱ ይጋጠም። ኣብቲ ቐዳማይ ዝተጋጠመ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ መጋረጃ፥ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ግበር፤ ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመውን ከምኡ ግበር። ኣብቲ ቐዳማይ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ግበር፤ ኣብ ጠርዚ እቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ መጋረጃ ድማ ሓምሳ ቐለበታት ግበር፤ እቲ ቐለበታት ንሕድሕዱ ይራኸብ። ሓምሳ ቝልፊ ወርቂ ድማ ግበር፤ ነቲ መጋረጃታት በቲ ቝልፍታት ንስንሳቱ ኣጋጥሞ፤ እቲ ድንኳን ከዓ ሓደ ይኹን።

“ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዝኸውን መደረብታ፥ ካብ ፀጕሪ ጤል መጋረጃታት ግበር፤ ዓሰርተ ሓደ መጋረጃታት ይኹን። ኵሉ እቲ ዓሰርተ ሓደ መጋረጃታት ንውሓቱ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ኣርባዕተ እመት፥ ሓደ ዓይነት ስፍሪ ይኹን። ነቲ ሓሙሽተ መጋረጃታት ንበይኑ፥ ነቲ ሽዱሽተ ድማ ንበይኑ ኣጋጥሞ፤ ነታ ሻድሸይቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ድርብ ገይርካ ዕፀፋ። ኣብ ጠርዚ እቲ ቐዳማይ ዝተጋጠመ ወሰናይ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ግበር፤ ኣብ ጠርዚ እቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ መጋረጃ ድማ ሓምሳ ቐለበታት ግበር። ሓምሳ ቝልፊ ነሃስ ግበር፤ ኣብቲ ቐለበታት ኣእትዮም ድማ ነቲ ድንኳን ኣጋጥሞ እሞ ሓደ ይኹን። እቲ ዝተረፈ ፈረቓ መጋረጃ እቲ ድንኳን፥ ኣብ ድሕሪት እቲ ድንኳን ተንጠልጢሉ ይተኣጎር። እቲ ዝተረፈ እመትን ፈረቓን መጋረጃ ድማ፥ ነቲ ድንኳን ብኽልቲኡ ወገኑ ምእንቲ ኽኸድኖ፥ ብሓደ ሸነኽን ብኻልኣይ ሸነኽን ተንጠልጢሉ ይተኣጎር። ነቲ ድንኳን ዝኸውን መኽደን ድማ ካብ ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ ግበረሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ካብ ልስሉስ ቈራብቲ መኽደን ግበረሉ።

“ነቲ ድንኳን ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ደው ዝብል ሉሕ ግበረሉ። ነፍሲ ወከፍ ሉሕ ንውሓቱ ዓሰርተ እመት፥ ስፍሓቱ ኸዓ እመትን ፈረቓን ይኹን። ነንሕድሕድ ሉሕ መጣምቲ ዝኾኑ ኸክልተ መተሓሓዚ ግበረሉ፤ ንዅሉ እቲ ሉሓት ድንኳን ከዓ ኸምኡ ግበሮ። ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ዕስራ ሉሕ ግበር። ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ኣርብዓ እግሪ ብሩር ግበር፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፥ ንሓደ ጉጭ ሓደ እግሪ ይኹን። ብኻልኣይ ወገን እቲ ድንኳን፥ ብወገን ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ ግበር፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ከክልተ እግሪ ድማ፥ ኣርብዓ እግሪ ብሩር ግበር። ብድሕሪ እቲ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ድማ ሽዱሽተ ሉሕ ግበር፤ ኣብቲ ድሕሪት ንዅርናዓቱ ኸዓ ክልተ ሉሕ ግበር። ካብ ታሕቲ ጀሚሮም ድርብ ይኹኑ፤ ክሳዕ ላዕሊ ድማ ኣብ ሓደ ቀለበት ተጋጢሞም ይኹኑ፤ ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ዅርናዕ ከምኡ ይኹን። ስለዙይ ሸሞንተ ሉሕን እግሮም ብሩርን ይኹን፤ ዓሰርተ ሽዱሽተ እግሪ፥ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ይኹን።

“ብዕንፀይቲ ሰራው ጋድማት ግበር፤ ብሓደ ወገን እቲ ድንኳን ንዘሎ ሉሓት ሓሙሽተ፥ ብኻልኣይ ወገኑ ንዘሎ ሉሓት ሓሙሽተ፥ ብድሕሪ እቲ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ንዘሎ ሉሓት ድማ ሓሙሽተ ጋድም ግበር። ነቲ ማእኸላይ ጋድም ድማ ብማእኸል እቲ ሉሓት ገይርካ፥ ካብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ሓደ ወሰን ከም ዝሓልፍ ግበሮ። ነቲ ሉሓት ብወርቂ ለብጦ፤ ነቲ ጋድማት ዝኣትዎ ቐለበታት ድማ ብወርቂ ግበር፤ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለብጦ። ነቲ ድንኳን ከምቲ ኣብቲ እምባ ዝተርኣየካ ምስሊ ገይርካ ኣቕሞ።

“መጋረጃ ድማ ግበር፤ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ይኹን፤ ብብልሓት ዝተጠልፉ ኪሩቤል ይገበሮ። ኣብ ኣርባዕተ ብወርቂ ዝተለበጠ ኣዕምዲ ዕንፀይቲ ሰራው ሰቕሎ፤ መሰቓቐሊኡ ወርቂ ይኹን፤ ኣብ ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ይተኸል። ነቲ መጋረጃ ኣብ ትሕቲ እቲ ቝልፍታት ሰቕሎ፤ ነቲ ታቦት ኪዳን ድማ ናብ ድሕሪኡ ኣእትዎ፤ እቲ መጋረጃ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ይፈልዮ። a a v33 እዝ መጋረጃ እዙይ ነቲ ህዝቢ ካብቲ መንፈስ ኣቦና ዝዓረፈሉ ቅድስተ ቅዱሳን ይፈልዮ ነበረ፤ ድሕሪኡ ምቕዳዱ ኸዓ ናብ ህላውነቱ ናይ ምምላስ መንገዲ ከፈተ። ነቲ መኽደን መስተስረዪ ድማ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ። ነቲ ጠረጴዛ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ ግበሮ፤ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ ኣብ መንፅሩ ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን፥ ነቲ ጠረጴዛ ኸዓ ብወገን ሰሜን ግበሮ።

“ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ድማ መጋረጃ ግበር፤ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ ይኹን። ነቲ መጋረጃ ድማ ሓሙሽተ ኣዕምዲ ዕንፀይቲ ሰራው ግበረሉ፤ ብወርቂ ለብጦም፥ መሰቓቐሊኦም ከዓ ወርቂ ይኹን፤ ሓሙሽተ እግሪ ነሃስ ድማ ብፍሲ ግበረሎም።”