ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኣሎ

እዚ መዝሙር ሰለስተ ጊዜ ደው ኢሉ፥ ንሱ ቅዱስ እዩ፥ ይብል። ኣቦና፥ እቲ ንምድሪ ዘንቀጥቅጥ ንጉስ፥ ንፍትሒ ድማ የፍቅር፥ ኣብነታቱ ኸዓ ሙሴን ኣሮንን ሳሙኤልን እዮም — ካብ ዓምዲ ደመና ዝመለሰሎም፥ ይቕረ ዝበለሎም፥ ብበደሎም ግና ዝቐፅዖም ሰባት።

ምዕራፍ 99።

ኣቦና ነጊሱ ኣሎ፤ እቶም ህዝብታት ይንቀጥቀጡ! ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ ኣሎ፤ ምድሪ ትንቀጥቀጥ! ኣቦና ኣብ ፅዮን ዓብዪ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ህዝብታት ልዕል ኢሉ ኣሎ። ንዓብዪን ዘፍርሕን ስምካ የመስግኑ፤ ንሱ ቅዱስ እዩ!

እቲ ሓያል ንጉስ ንፍትሒ የፍቅር። ንቅንዕና ኣፅናዕካ፤ ኣብ ያእቆብ ፍትሕን ፅድቅን ገበርካ። ንኣቦና ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ኣብ መርገፂ እግሩ ስገዱ! ንሱ ቅዱስ እዩ!

ሙሴን ኣሮንን ካብ ካህናቱ ነበሩ፤ ሳሙኤል ከዓ ካብቶም ስሙ ዝፅውዑ ነበረ። ናብ ኣቦና ፀውዑ፥ ንሱ ከዓ መለሰሎም። ብዓምዲ ደመና ተዛረቦም፤ ትእዛዛቱን እቲ ዝሃቦም ሕግጋትን ሓለዉ።

ኦ ኣቦና! ንስኻ መለስካሎም፤ ይቕረ በሃሊ ኣቦ ኮንካሎም፥ ብበደሎም ግና ቀፃዕካዮም። ንኣቦና ልዕል ልዕል ኣብልዎ፥ ኣብ ቅዱስ እምባኡ ድማ ስገዱ፤ ኣቦና ቅዱስ እዩ እሞ!