ሓድሽ መዝሙር
መዝሙር።
መዝሙር ዓወት ንዝተፈፀመ ነገር — ምድሓን ኣቦና ብገዛእ ቅልፅሙ ዝረኸቦ ኣብ ቅድሚ እተን ዝዕዘባ ኣህዛብ ብግልፂ ዘርኣየ፥ ንእስራኤል እውን እሙን ኮይኑ። ሽዑ መሳርሒታት ይጅምሩ፥ ሩባታት የጣቕዑ፥ እምባታት ድማ ይዝምራ፥ ንምድሪ ብቕንዕና ኽፈርድ ይመፅእ ኣሎ እሞ።
ምዕራፍ 98።
98 1ንኣቦና ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፥ ተኣምራት ገይሩ እዩ እሞ፤ የማነይቲ ኢዱን ቅድስቲ ቅልፅምን ምድሓን ኣምፅኡሉ። 2ኣቦና ምድሓኑ ኣፍለጠ፤ ፅድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለፆ። 3ምሕረቱን ሓቅነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፤ ኵሎም ወሰናት ምድሪ ምድሓን ኣቦና ረአዩ።
4ኦ ኵላ ምድሪ፥ ንኣቦና ዕልል በሉ፤ ብሓጐስ ዓው ኢልኩም ዘምሩ፥ ምስጋናውን ኣስምዑ። 5ንኣቦና ብበገና ዘምሩ፥ ብበገናን ብድምፂ ዜማን። 6ብመለኸትን ብድምፂ ቀርንን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ኣቦና ዕልል በሉ።
7ባሕርን ኵሉ ኣብኡ ዘሎን ይንሃም፤ ዓለምን ኵሎም ኣብኣ ዝነብሩን። 8ሩባታት ኣእዳዎም ይጣቕዑ፤ እምባታት ብሓደ ኾይነን ብሓጐስ ይዘምራ፥ 9ኣብ ቅድሚ ኣቦና፥ ንምድሪ ኽፈርድ ይመፅእ ኣሎ እሞ። ንዓለም ብፅድቂ ክፈርድ እዩ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና።