ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናይ ኣሳፍ መዝሙር እምነት

ንመራሕ መዘምራን፤ “ኣይተጥፍእ” ብዝብል ዜማ፤ መዝሙር ኣሳፍ፤ ቅኔ።

እቲ ህዝቢ የመስግን፥ ድሕሪኡ ኣቦና ባዕሉ ይዛረብ፦ ንፍርዲ ምዱብ ጊዜ ይሓሪ፥ ነዕማድ ምድሪ የፅንዕ፥ ነቶም ተጀሃርቲ ኸዓ ብሓይሎም ከይዛሃሩ ይነግሮም። ልዕልና ኻብ ዝኾነ ወገን ኣይመፅእን፤ ንሓደ የዋርዶ፥ ንካልእ ከዓ ልዕል የብሎ።

ምዕራፍ 75።

ኦ ኣቦና፥ ነመስግነካ ኣለና፤ ስምካ ቀረባ እዩ እሞ ነመስግነካ ኣለና። ሰባት ዘደንቑ ግብርታትካ ይዛረቡ።

“በቲ ዝሓርዮ ምዱብ ጊዜ፥ ብቕንዕና ክፈርድ እየ።

“ምድርን ኵሎም ኣብኣ ዝነብሩን ምስ ተንቀጥቀጡ፥ ነዕማዳ ዘፅንዖ ኣነ እየ። ነቶም ተጀሃርቲ ‘ኣይትመክሑ’፥ ነቶም ሓጢኣተኛታት ድማ ‘ብሓይልኹም ኣይትዘሃሩ’ እብሎም። a a v4 ኣብዙይ “ቀርኒ” ንሓይልን ትዕቢትን የመልክት፤ “ቀርኒ ምልዓል” ማለት ንገዛእ ሓይሉ ልዕል ምባል እዩ። ብሓይልኹም ከምኡ ብትዕቢት ኣይትዘሃሩ፤ ብድፍረት ኣይትዛረቡ።”

ካብ ምብራቕ ኮነ ካብ ምዕራብ፥ ካብ ምድረ በዳ'ውን፥ ንርእሱ ልዕል ዘብል ሓደ'ኳ የለን። ዝፈርድ ኣቦና እዩ፤ ንሓደ የዋርዶ፥ ንካልእ ከዓ ልዕል የብሎ። ኣብ ኢድ ኣቦና ፅዋዕ ኣሎ፥ ዝጥፍጥፍ ወይኒ ዝመልኦ፥ ፅቡቕ ዝተለወሰ፤ ንሱ ድማ የፍስሶ፤ ኵሎም ሓጢኣተኛታት ምድሪ ክሳዕ ዕፋሩ ክሰትይዎ እዮም። ኣነ ግና ንዘለኣለም ክእውጆ እየ፤ ንኣምላኽ ያእቆብ ክዝምረሉ እየ።

“ኵሉ ሓይሊ ሓጢኣተኛታት ክቘርፅ እየ፤ ሓይሊ ፃድቃን ግና ልዕል ክብል እዩ።”