ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ጥዓሙን ርኣዩን

ናይ ዳዊት፤ ኣብ ቅድሚ ኣቢሜሌክ ዕብዳን ተመሲሉ፥ ኣቢሜሌክ ድማ ሰጐጎ፥ ንሱ ኸዓ ኸደ።

ዳዊት ነዙይ ካብ ኣቢሜሌክ ብዕብዳን ተመሲሉ ምስ ኣምለጠ ፅሓፎ። ንዅሉ ሰብ ባዕሉ ንኣቦና ክፍትኖ ይዕድም — ጥዓሙን ርኣዩን — ሽዑ ኣግሂዱ ይምህር፦ ልሳንካ ሓሉ፥ ሰላም ስዓብ። ኣቦና ነቶም ዝደሓኑ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ናብ እቶም ልቦም ዝተሰብረ ቀረባ እዩ።

ምዕራፍ 34።

ንኣቦና ኵልሻዕ ክባርኾ እየ፤ ምስጋናኡ ኵልሻዕ ኣብ ከናፍረይ ክኸውን እዩ።

ነፍሰይ ብኣቦና ትሕበን፤ ትሑታት ይስምዑ ይተሓጐሱውን። ንኣቦና ምሳይ ኣዕብይዎ፤ ስሙ ብሓባር ልዕል ነብሎ።

ንኣቦና ደለኽዎ፥ ንሱ ኸዓ መለሰለይ፤ ካብ ኵሉ ፍርሓተይ ኣናገፈኒ። ናብኡ ዝጥምቱ የንፀባርቑ፤ ገፆም ከቶ ኣይሓፍርን እዩ። እዝ ድኻ እዙይ ኣእወየ፥ ኣቦናውን ሰምዖ፤ ካብ ኵሉ መከራኡ ኣድሓኖ። መልኣኽ ኣቦና ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርሕዎ ይዓስክር፥ የድሕኖም ድማ።

ኣቦና ሰናይ ከም ዝኾነ ጥዓሙን ርኣዩን፤ እቲ ብእኡ ዝዕቆብ ብፁእ እዩ። ኣቱም ቅዱሳኑ፥ ንኣቦና ፍርሕዎ፤ እቶም ዝፈርሕዎ ዘስእኖም የለን እሞ። ናእሽቱ ኣናብስ ይጠምዩ የስእኑ ኸዓ፤ ንኣቦና ዝደልዩ ግና ዝኾነ ሰናይ ኣይስእኑን።

ንዑ ኣቱም ደቀይ፥ ስምዑኒ፤ ፍርሓት ኣቦና ክምህረኩም እየ። ህይወት ዝደሊ፥ ብዙሕ ሰናይ መዓልቲውን ዝፈቱ ሰብ መን እዩ? ልሳንካ ካብ ክፉእ ሓሉ፤ ከናፍርካውን ካብ ተንኰል ምዝራብ። ካብ ክፉእ ግለስ ሰናይ ከዓ ግበር፤ ሰላም ድለ ስዓቦ ድማ።

ኣዒንቲ ኣቦና ናብ ፃድቃን እየን፤ ኣእዛኑ ድማ ናብ ኣውያቶም ክፉታት እየን። ገፅ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እቶም ክፉእ ዝገብሩ እዩ፤ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ ንምጥፋእ። ፃድቃን ኣእወዩ፥ ኣቦናውን ሰምዐ፤ ካብ ኵሉ መከራኦም ኣናገፎም። ኣቦና ናብቶም ልቦም ዝተሰብረ ቀረባ እዩ፤ ነቶም መንፈሶም ዝተጨፍለቐ የድሕኖም።

ፃድቕ ብዙሕ መከራ የጋጥሞ፤ ኣቦና ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ኣቦና ንዅሉ ኣዕፅምቲ እቲ ፃድቕ ይሕልዎ፤ ካብኣተን ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።

ክፉእ ንረሲእ ይቐትሎ፤ ነቲ ፃድቕ ዝፀልኡ ድማ ክፍረዱ እዮም። ኣቦና ንነፍሲ ባሮቱ ይቤዝዋ፤ ካብቶም ብእኡ ዝዕቆቡ ሓደ እኳ ኣይፍረድን።