ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሓዱሽ መዝሙር ዘምሩሉ

ፀዋዕታ ሓዱሽ መዝሙር ኣብ ሓንቲ ነገር ዝምርኮስ፦ ዓለም ዘላ ኣቦና ስለ ዝተዛረበ እዩ። ንምኽሪ ኣህዛብ ይግልብጦ፥ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ዝቐረፆ ልቢ ይርኢ፥ ብሰራዊትን ብኣፍራስ ውግእን ኣይግረምን። ዓይኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ንምሕረቱ ዝፅበዩ ይዓርፍ።

ምዕራፍ 33።

ኣቱም ፃድቃን፥ ብኣቦና ተሓጐሱ፤ ምስጋና ነቶም ቅኑዓት ይግብኦም እዩ። ንኣቦና ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፤ ብዓሰርተ ኣውታር ዘለዎ በገና ቕነይሉ። ሓዱሽ መዝሙር ዘምሩሉ፤ ብብልሓት ተፃወቱ፥ ብዕልልታ ሓጐስ።

ቃል ኣቦና ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ኵሉ ግብሩ ድማ ብሓቅነት ይፍፀም። ፅድቅን ፍርድን የፍቅር፤ ምድሪ ብምሕረት ኣቦና መሊኣ ኣላ።

ሰማያት ብቓል ኣቦና ኮኑ፥ ኵሎም ሰራዊቶም ድማ ብእስትንፋስ ኣፉ። ማያት ባሕሪ ኸም ኵምራ ይእክቦም፤ ዓሚቝ ባሕሪ ኸዓ ኣብ ማዕኸናቱ የቐምጦ። ብዘላ ምድሪ ንኣቦና ትፍራሕ፤ ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ድማ ይፍርሕዎ። ንሱ ተዛረበ እሞ ኮነ፤ ኣዘዘ፥ ፀንዐ ኸዓ።

ኣቦና ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፤ ሓሳብ ህዝብታት ድማ ይፍሽሎ። ምኽሪ ኣቦና ንዘለኣለም ይነብር፥ ሓሳብ ልቡ ኸዓ ንውሉድ ወለዶ።

እቲ ኣቦና ኣቦኡ ዝኾነ ህዝቢ ብፁእ እዩ፥ እቲ ርስቲ ኽኾኖ ዝሓረዮ ህዝቢ። ካብ ሰማይ ኣቦና ይጥምት፤ ንዅሎም ደቂ ሰብ ድማ ይርኢ። ካብ ማሕደሩ ንኵሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ይጥምቶም። ንልቢ ኵላቶም ይቐርፅ፤ ንዅሉ ግብሮም ድማ የስተውዕል።

ንጉስ ብብዝሒ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፤ ጅግና ድማ ብብዝሒ ሓይሉ ኣይናገፍን። ፈረስ ንዓወት ከንቱ ተስፋ እዩ፤ ብብዝሒ ሓይሉ ኸዓ ከድሕን ኣይኽእልን።

ዓይኒ ኣቦና ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈርሕዎ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዝገብሩ ኣሎ፥ ንነፍሶም ካብ ሞት ከናግፍ፥ ብጊዜ ጥሜት ከዓ ብህይወት ከንብሮም እዩ።

ነፍስና ንኣቦና ትፅበዮ፤ ንሱ ረዳእናን ዋልታናን እዩ። ልብና ብእኡ ይሕጐስ እዩ እሞ፥ በቲ ቅዱስ ስሙ ተኣሚንና ኢና። ኦ ኣቦና፥ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርና፥ ምሕረትካ ኣብ ልዕሌና ይኹን።