ክልተ መንገድታት፥ ክልተ መዕለቢ
መፅሓፍ ፀሎትን መዝሙርን ህዝቢ ኣቦና—ሚእትን ሓምሳን መዝሙራት ውዳሴ፥ መልቀስ፥ ምስጋናን ምትእምማንን፥ ንዅሉ ወቕቲ ልቢ ሰብ ዝሽፍን፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝቐርብ።
ምዕራፍ 1።
1 1እቲ ብምኽሪ ክፉኣት ዘይከይድ፥ ኣብ ማእኸል ሓጢኣተኛታት ደው ዘይብል፥ ኣብ መንበር መላገፅቲ ዘይቅመጥ ሰብ ብፁእ እዩ፥ 2ሓጐሱ ግና ኣብ ሕጊ ኣቦና እዩ፥ ነቲ ሕጉ ኸዓ መዓልትን ለይትን የስተንትን። 3ንሱ ኣብ ወሓዝቲ ማያት ከም ዝተኸለት፥ ብጊዜኣ ፍሪኣ እትህብ፥ ቘፅላ ዘይነቕፅ ኦም እዩ፤ ዝገብሮ ዅሉ ኸዓ ይሰልጦ።
4ክፉኣት ግና ከምኡ ኣይኮኑን! ንሳቶም ከም እቲ ንፋስ ዘባርሮ ብቝቡቝ እዮም። 5ስለዙይ ክፉኣት ኣብ ፍርዲ ደው ኣይብሉን፥ ሓጢኣተኛታት ድማ ኣብ ጉባኤ ፃድቃን ደው ኣይብሉን። 6ኣቦና ንመንገዲ ፃድቃን ይሕልዋ እዩ እሞ፥ መንገዲ ክፉኣት ግና ክትጠፍእ እያ።