ድሕሪ ሞት ደቂ ኣሮን
ድሕሪ ሞት ደቁ፥ ኣብ ዝደለዮ ጊዜ ኵሉ ናብ ድሕሪ እቲ መጋረጃ ክኣቱ ኸም ዘይኽእል ኣቦና ንኣሮን ነገሮ። ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ፥ ብሃሪ ተኸዲኑ፥ ነቲ መቕደስን ነቲ ህዝብን ብደም የስተስሪ፥ ኵሉ ሓጢኣት ድማ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጤል የንብሮ፥ ንሳ ኸዓ ፂራቶም ናብ ምድረ በዳ ትኸይድ።
16 1ኣቦና ድማ ድሕሪ ሞት እቶም ናብ ኣቦና ቀሪቦም ዝሞቱ ክልተ ደቂ ኣሮን፥ ንሙሴ ተዛረቦ።
2ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ንሓውካ ኣሮን ንገሮ፤ ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ መኽደን ስርየት ብደበና እግለፅ እየ እሞ፥ ኣብ ዝደለዮ ጊዜ ኵሉ፥ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ናብ ዘላ ቅድስቲ ቦታ፥ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደን ስርየት ኣይእቶ፤ እንተ ዘይኮነ ኺመውት እዩ።”
3“ኣሮን ናብ ቅድስቲ ቦታ ብኸምዙይ ይእቶ፦ ክንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ዝራብዕን ክንዲ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ድቤላን። 4ብሃሪ ዝተሰርሐ ቕዱስ ቀሚሽ ይልበስ፤ ብሃሪ ዝተኣልመ ስረ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይከደን፤ ብሃሪ ዝተሰርሐ ቕናት ድማ ይቕነት፤ ብሃሪ ዝተሰርሐ መጠምጠምያውን ይጠምጥም። እዚኣቶም ቅዱሳት ኣልባሳት እዮም፤ ቅድሚ ምልባሶም ከዓ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ። 5ካብ ማሕበር እስራኤል ድማ ክንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኽልተ ተባዕትዮ ኣጣልን ክንዲ ዝቃፀል መስዋእቲ ሓደ ድቤላን ይውሰድ።
6ኣሮን ድማ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝቐርብ ዝራብዑ የቕርብ፤ ንርእሱን ንስድራ ቤቱን ድማ ስርየት ይገብረሎም። 7ነተን ክልተ ኣጣል ድማ ወሲዱ፥ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድመይ የቕውመን። 8ኣሮን ድማ ኣብ ልዕሊ እተን ክልተ ኣጣል ዕፃ የውድቕ፤ ሓደ ንኣይ፥ ሓደ ድማ ንኣዛዝኤል። a a v8 ኣዛዝኤል ማለት፥ ስም እታ “ዝተሰደደት” ጤል እዩ፤ እታ ንሓጢኣት እቶም ህዝቢ ካብቲ ሰፈር ኣርሒቓ ናብ ምድረ በዳ ዝፆረት ጤል ማለት እዩ። 9ኣሮን ድማ ነታ ብዕፃ ንኣይ ዝወፀት ጤል ኣምፂኡ፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ የቕርባ። 10እታ ዕፃ ንኣዛዝኤል ዝወፈያ ጤል ግና፥ ኣብ ልዕሊኣ ስርየት ምእንቲ ኽግበር፥ ናብ ምድረ በዳ ናብ ኣዛዝኤል ክትልኣኽ፥ ብህይወታ ኣብ ቅድመይ ትቐርብ።
11ኣሮን ድማ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝቐርብ ዝራብዑ የቕርብ፤ ንርእሱን ንስድራ ቤቱን ስርየት ይገብረሎም፤ ደሓር ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝቐርብ ዝራብዑ ይሓርዶ። 12ካብ መሰውኢ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ፍሕሚ ሓዊ ዝመልአ ፅንሃህ ይውሰድ፤ ክልተ ዕፍኞ ለጥ ኢሉ ዝተፈጨ ምዑዝ ዕጣንን የምፅእ፤ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ድማ የእትዎም። 13ነቲ ዕጣን ድማ ኣብ ቅድመይ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ይገብሮ፤ ደበና እቲ ዕጣን ነቲ ኣብ ልዕሊ ምስክር ዘሎ መኽደን ስርየት ምእንቲ ኽኸድኖ፥ ንሱ ኸዓ ምእንቲ ኸይመውት። b b v13 እቲ ምስክር ማለት፦ እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ዝተቐመጠ፥ ናይ ሕጊ ኪዳን ፅላት እምኒ እዩ። 14ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ድማ ወሲዱ፥ በፃብዕቱ ኣብ ቅድሚት እቲ መኽደን ስርየት ብወገን ምብራቕ ይንፀጎ፤ ካብቲ ደም ከዓ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደን ስርየት ይንፀግ።
15ደሓር ከዓ ነታ ምእንቲ ሓጢኣት እቶም ህዝቢ እትቐርብ ጤል ይሓርዳ፤ ደማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ የእትዎ፤ ነቲ ደም ድማ ከምቲ ናይ ዝራብዕ ደም ዝገበሮ ይገብሮ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ መኽደን ስርየትን ኣብ ቅድሚኡን ይንፅጎ። 16በዙይ ከዓ ምእንቲ ርኽሰት ደቂ እስራኤልን ምትሕልላፎምን ኵሉ ሓጢኣቶምን፥ ነታ ቅድስቲ ቦታ ስርየት ይገብረላ። ነቲ ኣብ ማእኸሎም፥ ኣብ ማእኸል ርኽሰቶም ዝነብር መራኸቢ ድንኳን ድማ ከምኡ ይገብረሉ። 17ኣብ ቅድስቲ ቦታ ስርየት ክገብር ምስ ኣተወ፥ ክሳዕ ዝወፅእ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ መራኸቢ ድንኳን ኣይሃሉ፤ ንርእሱን ንስድራ ቤቱን ንብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ስርየት ገይሩ ይወፅእ።
18ናብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ መሰውኢ ድማ ይውፃእ፤ ስርየት ይገብረሉ፤ ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እታ ጤልን ወሲዱ፥ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያ ይገብሮ። 19ኣብ ልዕሊኡ ድማ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ካብቲ ደም ይንፀግ፤ የንፅሆን ካብ ርኽሰት ህዝቢ እስራኤል ድማ ይቕድሶን።
20ነታ ቅድስቲ ቦታን መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ስርየት ገይሩ ምስ ወድአ፥ ነታ ህያው ጤል የቕርባ። 21ኣሮን ድማ ክልቲኡ ኣእዳዉ ኣብ ርእሲ እታ ህያው ጤል የንብር፤ ኵሉ በደል ደቂ እስራኤልን ኵሉ ምትሕልላፎምን ኵሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኣ ይናዘዝ፤ ኣብ ርእሲ እታ ጤል ድማ የንብሮም፤ ደሓር ከዓ ነቲ ስራሕ ብዝተመደበ ሰብ ኣቢሉ ናብ ምድረ በዳ ይሰዳ። 22እታ ጤል ድማ ኵሉ ሓጢኣቶም ኣብ ልዕሊኣ ፂራ ናብ ፍልይቲ ምድሪ ትኸይድ፤ እቲ ሰብ ከዓ ኣብ ምድረ በዳ ይፈትሓ።
23ኣሮን ድማ ናብ መራኸቢ ድንኳን ይኣቱ፤ ነቲ ናብ ቅድስቲ ቦታ ኽኣቱ እንተሎ ዝተኸደኖ ናይ ሃሪ ኣልባሳት የውፅእ፤ ኣብኡ ድማ ይገድፎም። 24ኣብ ቅድስቲ ቦታ ድማ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ክዳውንቱውን ይልበስ። ደሓር ከዓ ወፂኡ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቱን ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ እቶም ህዝብን የቕርብ፤ ንርእሱን ነቶም ህዝብን ድማ ስርየት ይገብር። 25ነቲ ስብሒ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐረበ መስዋእቲ ድማ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ።
26እቲ ነታ ጤል ናብ ኣዛዝኤል ዝሰደዳ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ደሓር ከዓ ናብ ሰፈር ይእቶ። 27እቲ ደሙ ኣብ ቅድስቲ ቦታ ስርየት ክግበር ዝኣተወ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐረበ ዝራብዕን ጤልን፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር ይውፃእ፤ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ድማ ብሓዊ ይቃፀል። 28እቲ ዘቃፅሎም ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ደሓር ከዓ ናብ ሰፈር ይእቶ።
29እዙይ ንኣኻትኩም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ፦ ብሻብዓይ ወርሒ ብዓስራይ መዓልቲ ነፍስኹም ኣትሕቱ፤ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ወዲ ዓዲ ኾነ እቲ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓና። 30በዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽትነፅሁ፥ ስርየት ይግበረልኩም እዩ እሞ፤ ኣብ ቅድመይ ድማ ንፁሃት ክትኾኑ ኢኹም። 31ንኣኻትኩም ናይ ፍፁም ዕረፍቲ ሰንበት እዩ፤ ነፍስኹም ኣትሕቱ፤ ናይ ዘለኣለም ስርዓት እዩ። 32እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኽህንነት ምእንቲ ኸገልግል ዝተቐብአን ዝተቐደሰን ካህን፥ ስርየት ይገብር፤ ነቲ ናይ ሃሪ ኣልባሳት፥ ነቲ ቅዱስ ኣልባሳት ድማ ይልበስ፤ 33ነታ ቅድስተ ቅዱሳንን መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን፥ ነቶም ካህናትን ንብዘሎ ህዝቢ እቲ ማሕበርን ድማ ስርየት ይገብረሎም። 34እዙይ ንኣኻትኩም ናይ ዘለኣለም ስርዓት እዩ፦ ንኵሉ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ስርየት ግበሩ።” ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ ተገብረ።