ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኵሉ መስዋእቲ ናተይ እዩ

ኵሉ ዝሕረድ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ይምፃእ፥ ኣብ ጥርሑ በረኻ ንኣጋንንቲ ኣጣል ኣይስዋእ። ደም ከቶ ኣይብላዕ፥ ህይወት ኣብ ደም እዩ እሞ — ኣቦና ድማ ንነፍሶም ንምስትስራይ ኣብ መሰውኢ ሃቦ።

ምዕራፍ 17።

ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦

“ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ እቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎ ነገር እዙይ እዩ፦ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብ፥ ኣብ ውሽጢ ሰፈር ኾይኑ ወይ ኣብ ደገ ሰፈር፥ ብዕራይ ኮነ ጡበት በጊዕ ኮነ ጤል እንተ ሓረደ፥ ኣብ ቅድሚ መሕደርየይ ንኣይ ከቕርብ ኢሉ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘየምፅአ ግና፥ እቲ ሰብ እቱይ ብደም በደለኛ እዩ፤ ደም ኣፍሲሱ እዩሞ፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ። ስለዙይ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ ጥርሑ በረኻ ዝስውእ ዝነበሩ መስዋእቶም፥ ናብቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ካህን የምፅእዎ፤ ንኣይ ድማ መስዋእቲ ምስጋና ገይሮም የቕርብዎ። እቲ ካህን ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነቲ ደም ኣብ መሰውእየይ ይንፀጎ፤ ነቲ ስብሒ ኸዓ ንኣይ ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ገይሩ የቃፅሎ። ነቶም ዝዘምዉሎም ኣጋንንቲ ኣጣል ደጊም ኣይስውኡ። እዙይ ንዅሉ ውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።

“ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ካብ ቤት እስራኤል ዝኾነ ሰብ ወይ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ጓና፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ዘቕርብ፥ ንኣይ ከቕርብ ኢሉ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘየምፅአ ግና፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።

“ካብ ቤት እስራኤል ዝኾነ ሰብ ወይ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ጓና ዝኾነ ደም እንተ በልዐ፥ ገፀይ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም ዝበልዐ ሰብ ኣንብር እሞ ካብ ህዝቡ ኽወግዶ እየ። እቲ ደም ህይወት ስጋ እዩ፤ ንነፍስኹም ከተስተስርዩሉ ኣብ መሰውኢ ሃብኩኹም፤ እቲ ደም ብህይወት የስተስሪ እዩሞ። a a v11 ኣቦና ባዕሉ ነቲ ደም ከም መስተስረዪ ሃቦ፤ ደም ኵሉ መስዋእቲ ድማ ናብቲ ፈሲሱ ንውሉዱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸድን ደም ኢየሱስ የመልክት ነበረ። ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልክዎም፦ ካባኻትኩም ሓደኳ ደም ኣይብላዕ፤ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓናውን ኣይብላዕ።

“ካብ ቤት እስራኤል ዝኾነ ሰብ ወይ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ጓና፥ ዝብላዕ እንስሳ ወይ ዒፍ ብሃደን እንተ ሓዘ፥ ነቲ ደሙ ኣፍሲሱ ብሓመድ ይኽደኖ። ህይወት ኵሉ ፍጡር ኣብ ደሙ እዩ። ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልክዎም፦ ህይወቱ ደሙ እዩሞ፥ ናይ ዝኾነ ፍጡር ደም ኣይትብልዑ፤ ዝበልዖ ዅሉ ይወገድ።

“ወዲ ዓዲ ኾነ ጓና፥ ዝበኸተ ወይ ኣራዊት ዝሰላልዖ እንስሳ ዝበልዐ ዝኾነ ሰብ፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ንፁህ ይኸውን። እንተ ዘይሓፀቦም ወይ ሰብነቱ እንተ ዘይተሓፀበ ግና፥ በደሉ ይፆር።”