ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ንሙሴን ንኣሮንን ይዛረቦም

ካብ ሰብነት ዝወፅእ ፈሳሲ፥ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ልሙድን ነዊሕ ዝፀንሐን፥ ንሰብን ንዝነከኦ ዅሉን ክሳዕ ምሕፃብን ምሸትን የርክስ። ድሕሪ ሸውዓተ ንፁህ መዓልቲ ክልተ ኣዕዋፍ ይስውኡ። እቲ ጉዳይ ብግልፂ ተነጊሩ፦ ኣቦኦም ኣብ ማእኸሎም ይነብር እዩ፥ መሕደሪኡ ኸዓ ክረክስ የብሉን።

ምዕራፍ 15።

ኣቦና ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦

“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ዝኾነ ሰብኣይ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ እንተ ፈሰሶ፥ እቲ ፈሳሲ ርኹስ እዩ። ርኽሰቱ ኻብቲ ፈሳሲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ሰብነቱ ነቲ ፈሳሲ የውሕዞ ኮነ ይዕፀዎ፥ ርኽሰቱ እዩ።

“እቲ ፈሳሲ ዘለዎ ሰብ ዝድቅሰሉ ዅሉ ዓራት ርኹስ እዩ፤ ዝቕመጠሉ ዅሉ ነገር ድማ ርኹስ እዩ። ነቲ ዓራቱ ዝነኽአ ዅሉ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። እቲ ፈሳሲ ዘለዎ ሰብ ኣብ ዝተቐመጦ ነገር ዝቕመጥ ዅሉ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።

“ነቲ ፈሳሲ ዘለዎ ሰብ ሰብነቱ ዝነኽአ ዅሉ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። እቲ ፈሳሲ ዘለዎ ሰብ ናብ ንፁህ ሰብ ጡፍ እንተ በለ፥ እቲ ሰብ እቱይ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።

“እቲ ፈሳሲ ዘለዎ ሰብ ዝወጠሖ ዅሉ ኮረቻ ርኹስ እዩ። ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ነገር ዝነኽአ ዅሉ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን፤ ነዚኣቶም ዘልዓለ ዅሉ ድማ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።

“እቲ ፈሳሲ ዘለዎ ሰብ ኢዱ ብማይ ከይሓፀበ ዝነኽኦ ዅሉ ሰብ፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። እቲ ፈሳሲ ዘለዎ ሰብ ዝነኽኦ ኣቕሓ መሬት ይሰበር፤ ኵሉ ኣቕሓ ዕንፀይቲ ድማ ብማይ ይተሓፀብ።

“እቲ ፈሳሲ ዘለዎ ሰብ ካብ ፈሳሲ ምስ ነፅሀ፥ ንምንፃሁ ሸውዓተ መዓልቲ ይቑፅር፤ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ካብ ፈልፋሊ ዝውሕዝ ማይ ይተሓፀብ፤ ይነፅህ ከዓ። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ ይውሰድ፤ ናብ ቅድሚ ኣቦና ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይምፃእ፤ ነቲ ካህን ድማ ይሃቦ። እቲ ካህን ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ኻልአይቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይስውአን፤ እቲ ካህን ከዓ ምእንቲ ፈሳሲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና የስተስርየሉ።

“ካብ ሰብኣይ ዘርኢ እንተ ወፀ፥ ብማይ ኵሉ ሰብነቱ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። ዘርኢ ዝረኸቦ ዅሉ ክዳን ወይ ቘርበት ብማይ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ደቂሱ ዘርኢ እንተ ወፀ፥ ክልቲኦም ብማይ ይተሓፀቡ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሱ ይኾኑ።

“ሰበይቲ ኻብ ሰብነታ ደም እንተ ፈሰሳ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ፅገኣ ርኽስቲ ትኸውን፤ ዝነኽኣ ዅሉ ድማ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ብፅገኣ እንተላ ዝደቀሰትሉ ዅሉ ርኹስ እዩ፤ ዝተቐመጠትሉ ዅሉ ድማ ርኹስ እዩ። ነቲ ዓራት ዝነኽአ ዅሉ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። ንሳ ዝተቐመጠትሉ ነገር ዝነኽአ ዅሉ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። ዓራት ኮነ ንሳ ዝተቐመጠትሉ ነገር፥ ዝነኽኦ ዅሉ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።

“ሰብኣይ ምስኣ እንተ ደቀሰ፥ ፅገኣ ኸዓ እንተ ነኽኦ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ዝድቅሰሉ ዅሉ ዓራት ድማ ርኹስ እዩ።

“ሰበይቲ ኻብ እዋን ፅገኣ ወፃኢ ብዙሕ መዓልቲ ደም እንተ ፈሰሳ፥ ወይ ድማ ካብ ፅገኣ ሓሊፉ እንተ ፈሰሳ፥ ከምቲ ናይ ፅገኣ መዓልቲ፥ ኵሉ እዋን ምፍሳስ ርኽስቲ ትኸውን። ብዅሉ እዋን ፈሳሲኣ ዝደቀሰትሉ ዓራት ከም ዓራት ፅገኣ እዩ፤ ዝተቐመጠትሉ ዅሉ ነገር ድማ ከም ርኽሰት ፅገኣ ርኹስ እዩ። ነዚኣቶም ዝነኽአ ዅሉ ይረክስ፤ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።

“ካብ ፈሳሲኣ ምስ ነፅሀት፥ ሸውዓተ መዓልቲ ትቑፅር፤ ድሕሪዙይ ድማ ትነፅህ። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ ትውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን ድማ ተምፅኦም። እቲ ካህን ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ኻልአይቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይስውአን፤ ምእንቲ ርኹስ ፈሳሲኣ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና የስተስርየላ።

“ነቶም ደቂ እስራኤል ካብ ርኽሰቶም ፍለይዎም፤ ኣብ ማእኸሎም ዘሎ ማሕደረይ ብምርካስ፥ ብርኽሰቶም ከይሞቱ።

“ብዛዕባ እቲ ፈሳሲ ዘለዎን፥ ብምፍሳስ ዘርኢ ዝረኸሰን ሰብ፥ ሕጊ እዙይ እዩ፤ ብዛዕባ እታ ብፅገኣ ዘላ ሰበይቲ፥ ብዛዕባ እቲ ፈሳሲ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ፥ ተባዕታይ ኮነ ኣንስተይቲ፥ ብዛዕባ እቲ ምስ ርኽስቲ ሰበይቲ ዝድቅስ ሰብኣይን እዩ።”