መሰውኢ ኣቦና ከም ብሓድሽ ይትከል
ቅድሚ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ምቛሙ፥ እቶም ዝተመለሱ ህዝቢ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብታት እናፈርሁ፥ መሰውኢ ኣቦና ኣብቲ ዓሮ መሰረት መሊሶም ሃነፅዎ፥ ነቲ ነብመዓልቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ ዳግም ጀመሩ። መሰረት ምስ ተነበረ ድማ፥ እቶም ነታ ቀዳመይቲ ቤት ዝዝክሩ ዓበይቲ ሰባት፥ ከምቲ እቶም ካልኦት ዓው ዝበሉ፥ ዓው ኢሎም በኸዩ።
3 1ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታቶም ተቐሚጦም እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ። 2ሽዑ ኢያሱ ወዲ ዮሳዳቅን ኣሕዋቱ ካህናትን፥ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ብፆቱን፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ፥ ሰብ ኣቦና፥ ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ምእንቲ ኸቕርቡ፥ መሰውኢ ኣቦና ክሃንፁ ተልዒሎም ሰርሑ። 3ነቲ መሰውኢ ኣብቲ መሰረት ኣቖምዎ፤ ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብታት ፈሪሖም ድማ፥ ኣብ ልዕሊኡ ንኣቦና ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ። 4ከምቲ ዝተፅሓፈ ድማ በዓል ዳስ ኣብዓሉ፤ ነቲ ነብመዓልቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ከከምቲ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝግባእ ስሩዕ ቍፅሪ ኣቕረቡ። 5ድሕሪዙይ ድማ ነቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ናይ ወርሒ እትወፀላ በዓል መስዋእትን ነቶም ኵሎም ቅዱሳት በዓላት ኣቦናን፥ ንኣቦና ብፍቓዱ መስዋእቲ ዘቕረበ ዅሉ ሰብ ውህብቶን ኣቕረቡ። 6ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ጀሚሮም ንኣቦና ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ጀመሩ፤ መሰረት ቤተ መቕደስ ኣቦና ግና ገና ኣይተመስረተን ነበረ። 7ነቶም ወቐርቲ እምንን ፀረብትን ገንዘብ ከፈሉ፤ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝፈቐደሎም ድማ፥ ካብ ሊባኖስ ናብ ኢዮጴ ብባሕሪ ኦም ፅሕዲ ምእንቲ ኸምፅኡ፥ ንሲዶናውያንን ንሰብ ጢሮስን መብልዕ መስተን ዘይትን ሃብዎም።
ቤት ኣቦና ክትህነፅ ትጅምር
8ናብ ቤት ኣቦና ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ፥ በታ ኻልአይቲ ዓመት ኣብ ካልኣይ ወርሒ፥ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ኢያሱ ወዲ ዮሳዳቅን፥ ምስ ዝተረፉ ህዝቦም፥ ካህናትን ሌዋውያንን ካብ ምርኮ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተመለሱ ዅሎምን ኮይኖም፥ ነቲ ዕዮ ጀመርዎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ቤት ኣቦና ድማ፥ ዕድመኦም ካብ ዕስራ ንላዕሊ ዝኾኑ ሌዋውያን ሸሙ። 9ሽዑ ኢያሱ፥ ደቁን ኣሕዋቱን፥ ቃድሚኤልን ደቁን፥ ደቂ ይሁዳ፥ ነቶም ኣብ ቤት ኣቦና ዝሰርሑ ኽከታተሉ ተሓባቢሮም ተላዓሉ፤ ምስኣቶም ድማ ደቂ ሔናዳድ፥ ደቆም ምስ ኣሕዋቶም፥ ሌዋውያን ነበሩ።
10እቶም ነደቕቲ መሰረት ቤተ መቕደስ ኣቦና ምስ ኣንበሩ፥ ከምቲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝኣዘዞ ንኣቦና ምእንቲ ኽውድሱ፥ ካህናት ክዳውንቲ ተኸዲኖም ምስ መለኸት፥ ሌዋውያን ድማ ደቂ ኣሳፍ ምስ ፀናፅል ደው በሉ። 11ንኣቦና እናወደሱን እናኣመስገኑን ተመላሊሶም ዘመሩ፦ “ንሱ ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱ ንእስራኤል ንዘለኣለም ይነብር።” እቲ መሰረት ቤት ኣቦና ስለ ዝተመስረተ ድማ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብምስጋና ዓብዪ ድምፂ ዓለሉ።
12ነታ ቐዳመይቲ ቤት ዝረኣዩ ብዙሓት ሽማግለታት ካህናትን ሌዋውያንን ኣሕሉቕ ዓሌት፥ መሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ምስ ተመስረተ ዓው ኢሎም በኸዩ፤ ብዙሓት ካልኦት ግና ብሓጐስ ዓለሉ። 13እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ዓው ኢሉ ስለ ዝዓለለ፥ ድምፂ ሓጐስ ካብ ድምፂ ብኽያት ዝፈሊ ሓደ እኳ ኣይነበረን፤ ድምፁ ድማ ናብ ርሑቕ ተሰምዐ።