ተግሳፅ ኣቦ ኣይተሰምዐን
እተን “ዝስተ ኣምፅኡልና” ዝብላ ዝተዛነያ ኣንስትን፥ ፅፉፍ መስዋእቲ ሒዞም ናብ ቤቴል ዝቕልጥፉ ህዝብን፥ ክልቲኦም ተኸሱ። ኣቦኦም ሓሙሽተ ጊዜ መከራ ጠቐሰ፦ ጥሜት፥ ድርቂ፥ ዋግ፥ መዓት፥ ግልባጥ፤ ሓሙሽተ ጊዜ ድማ እቲ ተደጋጋሚ ቃል፦ “ናባይ ግና ኣይተመለስኩምን።” ስለዙይ ንእኡ ኽትረኽቡ ተዳለዉ።
4 1እዝ ቃል እዙይ ስምዓ፥ ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ ዘለኽን ኣላሕም ባሳን፥ ንድኻ እትዓምፃ፥ ንፅጉም እተጭቍና፥ ንጐይቶትክን ከዓ “ዝስተ ኣምፅኡልና!” እትብላ፥ a a v1 እተን “ኣላሕም ባሳን”፥ ኣብታ ለምለም ሃገር ዝነበራ ክቡራትን ፅቡቕ ዝሰብሐን ከፍቲ ነበራ፤ ኣብዙይ ግና ነተን ነብሰን ዘዕንግላ፥ ብድኻ ዝናበራ ዝነበራ ኣንስቲ ሰማርያ ዝገልፅ በሊሕ ምስሊ እዩ።
2ልዑል ኣቦ ብቕድስናኡ ኸምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሌኽን ብመንጠቖ ዝስሕቡኻትክን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፥ ነተን ዳሕረዎትክን ከዓ ብመንጠቖ ዓሳ ኪስሕብኦ እዮም። b b v2 ሰራዊት ኣሶራውያን ንምሩኻት ብኣፍንጫኦም ወይ ብመንጋጋኦም ብዝሓለፈ መንጠቖ ወይ ቀለቤት ብሰንሰለት ይመርሕዎም ነበሩ፤ እዝ ምስሊ እዙይ ጨካንን ኣዋራድን ምርኮ ይስእል። 3ነፍሲ ወከፍክን ቀጥ ኢላ፥ በቲ ዝፈረሰ መንደቕ ክትወፃ ኢኽን፥ ናብ ሃርሞን ድማ ክትድርበያ ኢኽን፥” ይብል ኣቦና።
4“ናብ ቤቴል መፂእኹም ዓምፁ፤ ናብ ጌልገላ ድማ መፂእኹም ኣዝዩ ዓምፁ! መስዋእትኹም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ኣምፅኡ፥ ኣስራትኩም ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሳልሳይ መዓልቲ። 5ዝበዅዐ ሕብስቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ኣቃፅሉ፥ ናይ ፍቓድ መስዋእትኹም ኣውጁ፥ ዓው ኢልኩም ኣውርዩ፤ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ንስኻትኩም ክትገብሩ እትፈትዉ እዙይ እዩ እሞ!” ይብል ልዑል ኣቦ።
6“ኣነ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ጥራሕ ከብዲ፥ ሕፅረት እንጀራ ድማ ኣብ ኵሉ ቦታ ሃብኩኻትኩም፤ ናባይ ግና ኣይተመለስኩምን፥” ይብል ኣቦና።
7“ኣነ ድማ ገና ንቀውዒ ሰለስተ ወርሒ ኽትተርፍ እንተላ፥ ዝናም ከላእኹልኩም፤ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ዝናም አዝንም ነበርኩ፥ ካብ ካልእ ከተማ ድማ ይኽልኦ ነበርኩ፤ ሓንቲ ግራት ዝናም ይዝንመላ ነበረ፥ እታ ዝናም ዘይረኸበት ግራት ከዓ ትነፅፍ ነበረት። 8“እምበኣር ክልተ ወይ ሰለስተ ከተማታት ማይ ምእንቲ ክረኽባ፥ ናብ ሓንቲ ኸተማ እናተንገፍገፋ ይኸዳ ነበራ፥ ግና እኹል ዝስተ ኣይረኸባን፤ ናባይ ግና ኣይተመለስኩምን፥” ይብል ኣቦና።
9“ብዋግን ብሃጕን ወቓዕኹኻትኩም፤ ኣንበጣ ንብዙሕ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን፥ ንኣእዋም በለስኩምን ንኣእዋም ኣውሊዕኩምን በልዖ፤ ናባይ ግና ኣይተመለስኩምን፥” ይብል ኣቦና።
10“ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝኾነ መዓት፥ ናባኻትኩም መዓት ሰደድኩ፤ ጐበዛዝትኹም ብሰይፊ ቀተልኩ፥ ኣፍራስኩም ድማ ማሪኸ ወሰድኩ፤ ጨና ሰፈርኩም ድማ ናብ ኣፍንጫኹም ከደይብ ገበርኩ፤ ናባይ ግና ኣይተመለስኩምን፥” ይብል ኣቦና።
11“ከምቲ ንሰዶምን ገሞራን ዝገልበጥክዎ፥ ገሊኣትኩም ገልበጥኩ፥ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሓዊ ኸም እተመንጠለ ዕንፀይቲ ኾንኩም፤ ናባይ ግና ኣይተመለስኩምን፥” ይብል ኣቦና።
12“ስለዙይ ኦ እስራኤል፥ እዙይ እዩ ዝገብረካ፤ እዙይ ክገብረካ ስለ ዝኾንኩ ድማ፥ ኦ እስራኤል፥ ንኣቦኻ ኽትረኽቦ ተዳሎ!”
13እንሆ፥ ነቶም እምባታት ዝሰርሕ፥ ንፋስ ዝፈጥር፥ ሓሳቡ ንሰብ ዝገልፅ፥ ንወጋሕታ ናብ ፀልማት ዝልውጥ፥ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ዝረግፅ ንሱ እዩ፤ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ስሙ እዩ።