ኣቦና ንእስራኤል ንሕሳብ ይፅውዖ
ምምራፅ ማለት፥ ነፃ ምዃን ዘይኮነስ፥ ተሓታቲ ምዃን እዩ። ተኸታተልቲ ሕቶታት፥ ነገር ምኽንያት ከም ዘለዎ የረድኡ፦ ኣንበሳ ግዳይ ስለ ዘለዎ ይጓዝም፥ እቲ ልዑል ኣቦ ድማ ነቶም ባሮቱ ነቢያት እንተይነገረ ገለ እኳ ኣይገብርን፥ ስለዙይ እተን ብስኒ ሓርማዝ ዝተሰርሓ ኣባይቲ ሰማርያ ክወድቃ እየን።
3 1ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ነዝ ኣቦና ኣብ ልዕሌኹም ዝተዛረቦ ቃል ስምዑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኩዋ ብዘላ ዓሌት እዩ ዝዛረብ ዘሎ፦
2ካብ ኵለን ዓሌታት ምድሪ፥ ንኣኻትኩም ጥራሕ ፈሊጠ፤ ስለዙይ ምእንቲ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዓኩም እየ።
3ክልተ ሰባት ንኽራኸቡ እንተ ዘይተሰማሚዖም፥ ብሓደዶ ይኸዱ? 4ኣንበሳ ግዳይ ምስ ዘይብሉ፥ ኣብ ዱር ይጓዝምዶ? ሽደን ኣንበሳ ገለ እኳ እንተ ዘይሓዘ፥ ካብ በዓቲኡ የእዊዶ? 5ዒፍ መፃወድያ ምስ ዘይህልዎ፥ ኣብ ምድሪ ኣብ መፈንጠር ይወድቕዶ? መፈንጠር ገለ እኳ እንተ ዘይሓዘ፥ ካብ ምድሪ ይትስእዶ? 6መለኸት ኣብ ከተማ እንተ ተነፍሐ፥ እቶም ህዝቢ ኣይንቀጥቀጡንዶ? ጥፍኣት ናብ ከተማ እንተ መፀ፥ ኣቦና ዘይገበሮዶ? 7ብሓቂ እቲ ልዑል ኣቦ፥ ምስጢሩ ነቶም ባሮቱ ነቢያት እንተይገለፀ፥ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ። 8ኣንበሳ ጓዚሙ፤ መን እዩ ዘይፈርህ? እቲ ልዑል ኣቦ ተዛሪቡ፤ ካብ ትንቢት ምንጋር ክቍጠብ ዝኽእል መን እዩ?
9ኣብ ኣዛጦን ዘለዋ ፅኑዓት ቦታታት፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘለዋ ፅኑዓት ቦታታትውን ኣውጁ፤ ከምዙይ ከዓ በሉ፦ “ኣብ እምባታት ሰማርያ ተኣከቡ፤ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓብዪ ወኻዕታ፥ ነቲ ኣብ ማእኸላ ዘሎ ግፍዕን ከዓ ርኣዩ።” 10ፅቡቕ ምግባር ኣይፈልጡን እዮም፥ ይብል ኣቦና፤ እቶም ኣብ ፅኑዓት ቦታኣቶም ዓመፅን ዘመተን ዘኻዕብቱ።
11ስለዙይ እቲ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል፦ ፀላኢ ነታ ምድሪ ክኸባ፥ ንዕርድኻ ኸፍርስ፥ ንፅኑዓት ቦታኣትካ ኸዓ ክዘምት እዩ።
12ኣቦና ኸምዙይ ይብል፦ ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ ኽልተ ኣእጋር ወይ ቍራስ እዝኒ ኸም ዘናግፍ፥ ከምኡ ድማ እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ደቂ እስራኤል፥ ምስ ኵርናዕ ዓራት፥ ምስ ክፋል መደቀስ ክናገፉ እዮም። 13ስምዑ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ከዓ ምስክሩ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፦ 14ንእስራኤል ብሰንኪ ምትሕልላፉ ብዝቐፅዓሉ መዓልቲ፥ ነቲ መሰውኢታት ቤትኤል ከዓ ክቐፅዖ እየ፤ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ኸዓ ተቖሪፁ ናብ ምድሪ ክወድቕ እዩ። 15ነታ ናይ ክረምቲ ቤት ምስ ናይ ሓጋይ ቤት ክወቕዓ እየ፤ እተን ብስኒ ሓርማዝ ዝተሰርሓ ኣባይቲ ኽጠፍእ፥ እተን ዓበይቲ ኣባይቲ ኸዓ ክውዳእ እየን፥ ይብል ኣቦና።