ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ብምስጋና ዝመልአ ስቕታ

ንመራሕ መዝሙር። መዝሙር ዳዊት። ደርፊ።

ምስጋና ብስቕታ ይጅምር፥ ብዝዕልል መሮር ድማ ይውዳእ። ኣቦና ንሓጢኣት ይኽውል፥ ካብ ወሰናት ምድሪ ድማ ፀሎት ይሰምዕ፥ ሽዑ እታ ዓመት ባዕላ ትኽለል፦ ትልማ ተረዊ፥ ኰረብታታት ብሓጐስ ተጠቕሊሎም፥ ለሰታትን ጓላጉልን ድማ ሓቢሮም ዕልል ይብሉ።

ምዕራፍ 65።

ኦ ኣቦና፥ ኣብ ፅዮን ምስጋና ብስቕታ ይፅበየካ፤ መብፅዓና ድማ ናባኻ ክፍፀም እዩ።

ንስኻ ፀሎት ትሰምዕ ኢኻ፤ ኵሉ ሰብ ድማ ናባኻ ክመፅእ እዩ። ሓጢኣት ምስ ሰዓረኒ፥ ንስኻ ንምትሕልላፍና ኣስተስረኻልና። a a v3 እቲ ኣቦና ኣብዙይ ዝህቦ ይቕረታ፥ በቲ ንበደላትና ኣብ ልዕሊኡ ዝወሰደ ኢየሱስ ፍፁም ይኸውን፤ ንሕና ናብ ገዛ ምእንቲ ክንምለስ። ብፁእ እዩ እቲ ንስኻ ዝሓረኻዮ፥ ኣብ ኣዳራሻትካ ኽነብር ዘቕረብካዮ። በቲ ፅቡቕ ቤትካ፥ በቲ ቅድስና ቤተ መቕደስካ ክንፅገብ ኢና።

ኦ ኣቦና መድሕንና፥ ንስኻ ብዘፍርሕ ግብርታት ፅድቂ ትምልሰልና ኢኻ፤ ተስፋ ኵሉ ወሰን ምድርን ናይቲ ርሑቕ ባሕርን ኢኻ፤ ንሱ ብሓይሉ ነቶም እምባታት ዘቘመ፥ ብሓይሊ ዝተዓጥቀ፤ ንሱ ጓዝሞ ባሕሪ፥ ጓዝሞ ማዕበላቶም፥ ህውከት ኣህዛብ ድማ ዘህድእ። እቶም ኣብ ወሰን ምድሪ ዝነብሩ በቲ ተኣምራትካ ይፈርሑ፤ ንጎሕን ንምሸትን ዕልል ከም ዝብሉ ትገብሮም።

ንስኻ ነታ ምድሪ ትከናኸና፥ ተስትያ ድማ፤ ኣፀቢቕካውን ተህብትማ። ሩባ ኣቦና ማይ መሊኡ እዩ፤ ንህዝቢ እኽሎም ተዳልወሎም፤ ነታ ምድሪ ኸምዙይ ገይርካ ኣዳሊኻያ ኢኻ እሞ። ንትልማ ተርውያ፥ ንጎላጉላ ድማ ተስተኻኽል፤ ብዝናም ተልስልሳ፥ ንብቆላ ድማ ትባርኽ። ነታ ዓመት ብበረኸትካ ኣኸለልካያ፤ ኣሰርካ ድማ ብፅጋብ ቕፅፅ ይብል። ሳዕሪ ምድረ በዳ ይፈስስ፥ ኰረብታታት ድማ ብሓጐስ ተጠቕሊሎም። ጓላጉል ብመጓሰ ተኸዲኖም፥ ለሰታት ድማ ብእኽሊ ተሸፊኖም፤ ዕልል ይብሉ፥ ሓቢሮም ድማ ይዝምሩ።