ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ኣቦ ዝተሰረተ

መዝሙር መዓርግ።

እምነት ብመልክዓ ምድሪ ይግለፅ። እቶም ዝኣምኑ ኸም እምባ ፅዮን ዘይንቕነቑ እዮም፥ ኣቦናውን ከምቲ እምባታት ንኢየሩሳሌም ዝኸብብዋ ይኸቦም። ፃድቃን ናብ ክፉእ ከይዝርግሑ ምእንቲ፥ ግዝኣት ክፉኣት ኣብዛ ምድሪ ኣይዓርፍን — ነቶም ሰናያት ናብ ክፉእ ምግባር መፈተኒ ስለ ዝኸውን።

ምዕራፍ 125።

እቶም ብኣቦና ዝኣምኑ ከም እምባ ፅዮን እዮም፤ ንሳ ኣይትናወፅን፥ ንዘለኣለም ከዓ ትነብር። ከምቲ እምባታት ንኢየሩሳሌም ዝኸብብዋ፥ ኣቦናውን ከምኡ ንህዝቡ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ንዘለኣለም ይኸቦም። ፃድቃን ኣእዳዎም ናብ ክፉእ ምእንቲ ኸይዝርግሑ፥ በትሪ ክፍኣት ኣብ ርስቲ ፃድቃን ኣይዓርፍን። ኦ ኣቦና፥ ነቶም ሰናያት፥ ነቶም ብልቦም ቅኑዓት ሰናይ ግበረሎም። እቶም ናብ ቀይናን መንገድታቶም ዝዛወሩ ግና፥ ኣቦና ምስ ዓመፀኛታት ከግልሶም እዩ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን!