ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ብክርስቶስ ነፃ ዀይንካ ደው ምባል

ክርስቶስ ዝዓደጎ ነፃነት እዩ፥ ስለዙይ ጳውሎስ፥ ግርዘት ናብ ብዘሎ ሕጊ ኸም ዝመልሶም ኣጠንቀቖም። ነፃነት ግና ፍቓድ ኣይኮነን፦ ፍቕሪ የገልግል፥ ግብሪ ስጋ ኸዓ ንቤተ ክርስቲያን ይገማምዕ፥ ንሰባት ድማ ካብ መንግስቲ ኣቦና የውፅኦም፥ መንፈስ ግና ፍቕሪ፥ ሓጎስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ የዕቢ።

ምዕራፍ 5።

ክርስቶስ ንነፃነት ሓራ ኣውፅአና። ስለዙይ ፀኒዕኹም ደው በሉ፤ ዳግም ብኣርዑት ባርነት ኣይትተኣሰሩ።

ስምዑ፤ ኣነ ጳውሎስ እብለኩም ኣለኹ፦ እንተ ተገረዝኩም፥ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቅመኩምን። ዳግም እምስክር ኣለኹ፦ ግርዘት ዝቕበል ኵሉ ሰብኣይ፥ ንብዘሎ ሕጊ ክሕሉ ይግብኦ። ንስኻትኩም እቶም ብሕጊ ክትፀድቑ እትደልዩ፥ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ፀጋ ወዲቕኹም ኢኹም። ንሕና በቲ መንፈስ ቅዱስ፥ ብእምነት፥ ነታ ተስፋ ፅድቂ ኣጥቢቕና ንፅበያ ኣለና እሞ። ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ግርዘት ኮነ ዘይግርዘት ገለ ኣይጠቅምን፤ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት ደኣ እምበር።

ፅቡቕ ጌርኩም ትጐዩ ነበርኩም። ንሓቂ ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ መን ዓገተኩም? እዝ ምጕታዕ እዙይ፥ ካብቲ ዝፅውዓኩም ኣቦና ኣይኮነን። ቁሩብ ማይ ብሑቕ፥ ንብዘሎ ብሑቕ የብኵዖ። ካልእ ሓሳብ ከም ዘይትሕዙ፥ ብጐይታ እተኣማመን ኣለኹ፤ እቲ ዘጨንቐኩም ዘሎ ግና፥ መን እኳ ይኹን፥ ፍርዱ ክፅወር እዩ።

ኦ ኣሕዋት፥ ኣነ ገና ግርዘት ዝሰብኽ እንተ ዀይነ፥ ስለ ምንታይ ገና እስደድ ኣለኹ? ሽዑ ዕንቅፋት መስቀል ተሰሪዙ ኣሎ ማለት እዩ። እቶም ዘሸግሩኹም ዘለዉ፥ ባዕልቶም እኳ እንተ ዝተሰልቡ መን ምሃበ! a a v12 ጳውሎስ ነታ ካራ ኣበርቲዑ የዞራ፦ እቲ ቁም ነገር ምቑራፅ እንተ ዀይኑ፥ እቶም መምህራን ግርዘት ክሳዕ መወዳእታ ይኺዱ።

ኦ ኣሕዋት፥ ናብ ነፃነት ተፀዊዕኹም ኢኹም፤ ግና እዝ ነፃነት እዙይ ንስጋ መበገሲ ኣይኹን፤ ብፍቕሪ ደኣ ንሓድሕድኩም ተገልገሉ እምበር።

ብዘሎ ሕጊ ብሓደ ትእዛዝ ይፍፀም እዩ እሞ፦ “ንብፃይካ ኸም ነብስኻ ኣፍቅሮ።”

ነንሕድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን እንተ ተበላላዕኹምን ግና፥ ብሓድሕድኩም ከይትጠፍኡ ተጠንቀቑ።

ኣነ ግና በቲ መንፈስ ተመላለሱ እብል ኣለኹ፤ ትምኒት ስጋ ድማ ኣይክትፍፅሙን ኢኹም። ስጋ ነቲ ንመንፈስ ዝፃረር ይምነ፥ መንፈስ ድማ ነቲ ንስጋ ዝፃረር ይምነ፤ እዚኣቶም ይጋጨዉ እዮም እሞ፥ ነቲ እትደልይዎ ኣይትገብሩን ኢኹም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፥ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣይኮንኩምን። ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ዕብዳን፥ ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቍልና፥ ፅልኢ፥ ባእሲ፥ ቕንኣት፥ ኵራ፥ ርእሲ ጥቕሚ ምድላይ፥ ምፍልላይ፥ ምክፍፋል፥ ምቕናእ፥ ስኽራን፥ ጓይላ፥ ነዚኣቶም ዝመስል ድማ። ከምቲ ቕድም ዝበልኩኹም፥ ሕዚ ድማ አጠንቕቐኩም ኣለኹ፦ ከምዙይ ዝገብሩ፥ ንመንግስቲ ኣቦና ኣይወርሱን እዮም።

ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ለውሃት፥ ሕያዋይነት፥ እሙንነት፥ ህድኣት፥ ርእስኻ ምግታእ እዩ። ኣንፃር እዚኣቶም ሕጊ የለን። እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾኑ ድማ፥ ንስጋ ምስ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ብመንፈስ እንተ ንነብር ኢና ዄንና፥ ብመንፈስ ድማ ንመላለስ። ንሓድሕድና እናኣቘጥዕናን ንሓድሕድና እናተቐናናእናን፥ ዕቡያት ኣይንኹን።