ልብኹም ካብ ነቢያት ሓሰት ሓልዉ
ምልክቱ እኳ እንተ ተፈፀመ፥ ንካልኦት ኣማልኽቲ ስዓብ እንተ ኢሉ፥ ነቢይ ይንፀግ፤ ኣቦኻ ብምሉእ ልብኻ ተፍቅሮ ምዃንካ ይፍትነካ ኣሎ እሞ። ንፍቁር ሓውን ሰበይትን ፈታውን ድማ፥ ንምልእቲ ኸተማ'ውን ከምኡ እዩ፦ እዙይ ንእስራኤል እቲ ዝዓበየ ሓደጋ እዩ።
13 1ነቢይ ወይ ሓላሚ ሕልሚ ኣብ ማእኸልኩም እንተ ተንሲኡ፥ ምልክት ወይ ተኣምር ድማ እንተ ሃበኩም፥ 2እቲ ዝተዛረቦ ምልክት ወይ ተኣምር ድማ እንተ ተፈፂሙ፥ ‘ንኻልኦት ዘይፈለጥኩምዎ ኣማልኽቲ ንስዓብ፥ ነገልግሎምውን’ ኢሉ እንተ በለ፥ 3ንቓላት እቲ ነቢይ ወይ ሓላሚ ሕልሚ እቱይ ኣይትስምዕዎ። ኣቦኻትኩም፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ንኣቦኻትኩም ተፍቅርዎ እንተ ኾይንኩም ክፈልጥ፥ ይፍትነኩም ኣሎ። 4ንኣቦኻትኩም ስዓብዎ፥ ፍርሕዎ፥ ትእዛዛቱ ሓልዉ፥ ቓሉ ስምዑ፥ ኣገልግልዎ፥ ተፀጊዕዎ። 5እቲ ነቢይ ወይ ሓላሚ ሕልሚ እቱይ ይቀተል፤ ካብ ግብፂ ዘውፅአኩም፥ ካብ ቤት ባርነት ከዓ ዘድሓነኩም ኣብ ልዕሊ ኣቦኻትኩም ዓመፅ ስለ ዝተዛረበን፥ ካብታ ኣቦኻትኩም ክትከዱላ ዝኣዘዘኩም መንገዲ ከውፅኣኩም ስለ ዝደለየን እዩ። ስለዙይ ነቲ ክፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
6ሓውካ፥ ወዲ እኖኻ፥ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ፥ ወይ እታ ኣብ ሕፅንኻ ዘላ ሰበይትኻ፥ ወይ ከም ነፍስኻ እትፈትዎ ፈታዊኻ፥ ‘ንኺድ እሞ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነገልግል’ ኢሉ ብምስጢር እንተ ኣስሐተካ፥ ንስኻን ኣቦታትካን ዘይፈለጥኩምዎ ኣማልኽቲ፥ 7ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ህዝብታት፥ ናይ ቀረባ ኾነ ናይ ርሑቕ፥ ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ክሳዕ እቲ ካልእ ወሰን ዝኾኑ እዮም።’ 8ኣይትእዘዞ ወይ ኣይትስምዓዮ፤ ኣይትራሕርሓሉ፥ ኣይተናሕስየሉ፥ ኣይትሕብኣዮ። 9ኣይፋሉን፤ ቀቲልካ ቕተሎ። ኢድካ ቕድም ትወቕዓዮ፥ ድሕሪኡ ድማ ኢድ ኵሉ እቲ ህዝቢ። 10ብእምኒ ወጊርካ ቕተሎ፤ ካብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአካ ኣቦኻ ከግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ። 11ኵሉ እስራኤል ክሰምዕን ክፈርሕን እዩ፤ ድሕሪ ደጊም ድማ ከምዙይ ዝበለ ክፉእ ነገር ኣብ ማእኸልኩም ኣይገብሩን እዮም።
12ኣቦኻ ክትነብረላ ካብ ዝህበካ ከተማታት ብዛዕባ ሓንቲ ከምዙይ ዝበሃል እንተ ሰሚዕኻ፥ 13ከንቱ ሰባት ካብ ማእኸልካ ወፂኦም፥ ‘ንኺድ እሞ ዘይፈለጥኩምዎ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነገልግል’ ኢሎም ንህዝቢ ከተማኦም ኣስሒቶምዎም፥ 14ሽዑ ተጠንቂቕካ ድለ፥ መርምር፥ ሕተት። እዝ ፅዩፍ ነገር እዙይ ኣብ ማእኸልካ ከም ዝተገብረ ሓቂ ኾይኑ እንተ ተረጋጊፁ፥ 15ነቶም ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዕካ ቕተሎም፤ ንእኣን ንዅሉ ኣብኣ ዘሎን ንእንስሳኣን ብስሕለት ሰይፊ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። 16ኵሉ ምርኮኣ ናብ ማእኸል ኣደባባያ ኣከብ፥ ነታ ከተማን ኵሉ ምርኮኣን ድማ ንኣቦኻ ዝኸውን ዚሓርር መስዋእቲ ጌርካ ብሓዊ ኣንድዳ። ንዘለኣለም ዑና ኾይና ትተርፍ፥ ከቶ ኣይትተሃነፅን። 17ካብቲ ንጥፍኣት ዝተሓረመ ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይተፅጋዕ፤ ሽዑ ኣቦኻ ካብ ረስኒ ቍጥዓኡ ተመሊሱ ክርህርሃልካ፥ ክምሕረካ፥ ከምቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ድማ ከብዝሓካ እዩ፤ 18ነቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ብምሕላውን ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ቅኑዕ ብምግባርን ንቓል ኣቦኻ እንተ ሰሚዕኻ።