ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኵሉ ደገፍ ኣብ ዝውገደሉ

ይሁዳ ነቶም ንሕብረተሰብ ሓቢሮም ዝሕዝዎ ሰባት ይስእን፥ ዑና ናይ ምምራሕ ስራሕ ዝደሊ ድማ የለን። ኣቦና ኣብ ልዕሊ እቶም ገፅ ድኻ ዝጥሕኑ ሽማግለታት ክሱ የቕርብ። ስልማት እታ ኸተማ ተዘርዚሩ፥ ደሓር ድማ ተገፊፉ። ኣብ ምድሪ ኮፍ ኢላ ድማ ትውዳእ።

ምዕራፍ 3።

እንሆ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ኵሉ ደገፍን ስንቅን፥ ኵሉ ስንቂ እንጀራን ኵሉ ስንቂ ማይን ከወግድ እዩ፥ ጅግናን ተዋጋኢን ዳኛን ነቢይን ጠንቋልን ሽማግለን፥ ሓለቓ ሓምሳን ክቡር ሰብን መኻሪን ክኢላ በዓል ሞያን ፈላጥ ምትሃትን።

“ኣወዳት ጥራሕ ሹመኛታቶም ክገብሮም እየ፤ ቍልዕነትውን ኪገዝኦም እዩ።

ህዝቢ ንሓድሕዶም ክጋፍዑ እዮም፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ብፃዩ፤ ጐበዝ ኣብ ልዕሊ ሽማግለ ኪትንስእ እዩ፥ ሕሱር ከዓ ኣብ ልዕሊ ክቡር።” ሰብኣይ ኣብ ቤት ኣቦኡ ንሓዉ ሒዙ ከምዙይ ኪብሎ እዩ፦ “ክዳን ኣለካ እሞ መራሒና ኩን፤ ነዝ ኵምሪ ዑና እዙይ ኣመሓድሮ።” በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ዓው ኢሉ ከምዙይ ኪብል እዩ፦ “ኣነ ፈዋሲ ኣይኮንኩን! ኣብ ቤተይ እንጀራ የለን፥ ክዳንውን የለን፤ መራሒ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ።” ኢየሩሳሌም ተዓንቂፋ፥ ይሁዳ ድማ ወዲቓ እያ፤ ቃላቶምን ግብርታቶምን ኣብ ልዕሊ ኣቦና ስለ ዝኾነ፥ ንዓይኒ ክብሩ ይፃረሩ ኣለዉ። ትርኢት ገፆም ኣብ ልዕሊኦም ይምስክር፤ ሓጢኣቶም ከም ሰዶም ይገልፁ፥ ኣይሓብኡዎን። ንባዕሎም ጥፍኣት ኣምፂኦም እዮም እሞ ወይለኦም! ነቶም ፃድቃን ፅቡቕ ከም ዝኾኖም ንገርዎም፥ ፍረ ግብሮም ኪበልዑ እዮም እሞ። ነቲ ረሲእ ወይለኡ! ክፉእ ኪኾኖ እዩ፥ ግብሪ ኣእዳዉ ኪፍደ እዩ እሞ። ህዝበይ—ቈልዑ ገፋዕቶም እዮም፥ ኣንስቲ ድማ ይገዝእዎም። ህዝበይ፥ መራሕትኻ የስሕቱኻ፥ ነቲ እትኸዶ መንገዲ ዋሒጦምዎ።

ኣቦና ክሲኡ ከቕርብ ደው ኢሉ ኣሎ፤ ንህዝብታት ኪፈርድ ይትንስእ።

ኣቦና ምስ ሽማግለታትን ሹመኛታትን ህዝቡ ኪፈርድ እዩ፦ “ነቲ ወይኒ ዝበላዕኩምዎ ንስኻትኩም ኢኹም፤ ምርኮ ድኻ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ። “ህዝበይ እናጨፍለቕኩም ገፅ ድኻ ኸዓ እናጥሓንኩም፥ እንታይ ትብሉ ኣለኹም?” ይብል ኣሎ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ።

ኣቦና ከምዙይ በለ፦ “ኣዋልድ ፅዮን ስለ ዝተዓበያ፥ ክሳደን ዘርጊሐን ዓይነን እናጠቐሳ እናተመላለሳ፥ ብንኣሽቱ ቅልጡፍ ስጕምቲ እናተሸዀላ፥ ኣብ ኣእጋረን ዘሎ ቀለበት እናኣቃጨላ፥ ስለዙይ እቲ ልዑል ኣቦ ንርእሲ ኣዋልድ ፅዮን ብዓባቕ ኪወቕዖ እዩ፥ ኣቦና ድማ ንግንባረን ኪቃልዖ እዩ።”

በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ልዑል ኣቦ ንሽልማተን ኪቕንጥጦ እዩ፦ ቀለበት ኣእጋር፥ መህለል ርእሲ፥ ዳቋ፥ ኵትሻ፥ ኣምባር፥ ጉልባብ፥ መጠምጠምያ፥ ሰንሰለት እግሪ፥ ቅናት፥ ብልቃጥ ሽቱ፥ ክታብ፥ ቀለበት ማሕተም፥ ቀለበት ኣፍንጫ፥ ክዳውንቲ በዓል፥ ነፀላ፥ ካባ፥ ቦርሳ፥ መስትያትን ናይ ሃሪ ክዳውንትን መጠምጠምያታትን ነፀላታትን።

ሽዑ ኣብ ክንዲ ሽቱ ጨና ክኸውን እዩ፤ ኣብ ክንዲ ቕናት ገመድ፤ ኣብ ክንዲ ምልኩዕ ፀጕሪ በራሕ፤ ኣብ ክንዲ ክቡር ክዳን ሰቀ፤ ኣብ ክንዲ ፅባቐ ኸዓ ምሕራር። ሰብኡትኺ ብሰይፊ ክወድቁ እዮም፥ ተዋጋእትኺ ኸዓ ኣብ ውግእ ክወድቁ እዮም። ደጌታታ ክሓዝና ከልቅሳ ኸዓ እየን፤ ተገፊፋ ኸዓ ኣብ ምድሪ ክትቅመጥ እያ።