ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እቶም ዝሓተሙ

ኣስማት ኣብ ዝተሓተመ ሰነድ፥ ካህናትን ሌዋውያንን ሓለቓ ስድራን፥ ብመሓላ ንፍሉያት ነገራት ንኣቦና ተኣሰሩ፦ ምስቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ህዝብታት ዘይምምርዓው፥ ብሰንበት ዘይምሻጥ፥ በብሻውዓይ ዓመት ዕዳ ምሕዳግ፥ ነቲ ስራሕ ቤተ መቕደስን ንሰራሕተኛታቱን ድማ ቀፃሊ ደገፍ ምሃብ።

ምዕራፍ 10።

እቶም ዝሓተሙ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ነህምያ እቲ ሹም ወዲ ሓካልያን ሴዴቅያስን፥ ሰራያ፥ ኣዛርያስ፥ ኤርሚያስ፥ ጳሽሁር፥ ኣማርያ፥ ማልክያ፥ ሃጡሽ፥ ሸባንያ፥ ማሉክ፥ ሓሪም፥ መሬሞት፥ ኣብድዩ፥ ዳንኤል፥ ጊነቶን፥ ባሩክ፥ መሱላም፥ ኣብያ፥ ሚያሚን፥ መዓዝያ፥ ቢልጋይ፥ ሳማያን። እዚኣቶም ካህናት ነበሩ። ሌዋውያን ድማ፦ ኢያሱ ወዲ ኣዛንያ፥ ቢኑይ ካብ ደቂ ሔናዳድ፥ ቃድምኤል፥ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ፦ ሸባንያ፥ ሆድያ፥ ቀሊጣ፥ ፐላያ፥ ሓናን፥ ሚካ፥ ረኣብ፥ ሓሻብያ፥ ዛኩር፥ ሸሬብያ፥ ሸባንያ፥ ሆድያ፥ ባኒ፥ በኒኑ። ሓለቓ ህዝቢ ድማ፦ ጳሮሽ፥ ጳሓት ሞኣብ፥ ዔላም፥ ዛቱ፥ ባኒ፥ ቡኒ፥ ኣዝጋድ፥ ቤባይ፥ ኣዶንያስ፥ ቢግዋይ፥ ዓዲን፥ ኣጤር፥ ሕዝቅያስ፥ ዓዙር፥ ሆድያ፥ ሓሱም፥ ቤሳይ፥ ሓሪፍ፥ ኣናቶት፥ ኔባይ፥ ማግጲዓሽ፥ መሱላም፥ ሔዚር፥ መሼዛብኤል፥ ሳዶቅ፥ ያዱዓ፥ ፐላጥያ፥ ሓናን፥ ዓናያ፥ ኣውሴ፥ ሃናንያ፥ ሓሱብ፥ ሃሎሄሽ፥ ጲልሓ፥ ሾቤቅ፥ ረሑም፥ ሓሻብና፥ መዓስያ፥ ኣሒያ፥ ሓናን፥ ዓናን፥ ማሉክ፥ ሓሪም፥ በዓናን።

እቲ ህዝቢ ንኣቦ ተመባፅዐ

እቲ ዝተረፈ ህዝቢ፥ ካህናት፥ ሌዋውያን፥ ሓለውቲ ደገ፥ መዘምራን፥ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን፥ ኵሎም እቶም ምእንቲ ሕጊ ኣቦና ኻብ ህዝብታት እተን ሃገራት ዝተፈለዩን፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኣዋልዶምን፥ ፍልጠትን ምስትውዓልን ዘለዎም ኵሉ፥ እዚኣቶም ኵላቶም ምስ ኣሕዋቶም ክቡራት ተፀንበሩ፤ ነቲ ብሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝተውሃበ ሕጊ ኣቦና ኽስዕቡ፥ ንኵሉ ትእዛዛት ጐይታና ኣቦ፥ ንፍርድታቱን ንሕጋጋቱን ድማ ኽሕልዉ ክገብሩ ድማ፥ ብመርገምን ብመሓላን ተኣሰሩ። ንኣዋልድና ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ህዝብታት ከም ዘይንህበን፥ ኣዋልዶም ድማ ንደቅና ኸም ዘይንወስድ፥ ተመባፅዕና። እቶም ህዝቢ እታ ምድሪ ብሰንበት ንምሻጥ ኣቑሑ ወይ እኽሊ እንተ ኣምፅኡ፥ ብሰንበት ወይ ብዝኾነ ቅድስቲ መዓልቲ ካብኣቶም ከም ዘይንሽምት ተመባፅዕና። በብሻውዓይ ዓመት ድማ ነታ ምድሪ ኸነዕርፋን ኵሉ ዕዳ ኽንሓድግን ኢና።

ንኣገልግሎት ቤት ኣቦና ድማ፥ በብዓመት ኣርባዕተ ግራም ብሩር ክንህብ ኣብ ነፍስና ትእዛዝ ገበርና፦ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝቕረብ እንጀራ፥ ንናይ ዕለት ናይ እኽሊ ቝርባንን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ንሰንበትን ንወርሒ እትወፀላ በዓልን ንበዓላትን ዝኸውን መስዋእቲ፥ ንቅዱሳት መባእን ንስርየት ሓጢኣት እስራኤል ዝኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ ንኵሉ ዕዮ ቤት ኣቦና ዝኸውን እዩ። ንሕና ካህናትን ሌዋውያንን ህዝብን ድማ፥ ከምቲ ሕጊ ዝብሎ፥ ኣብ መሰውኢ ኣቦና ኽነንድዶ፥ ነቲ መስዋእቲ ዕንፀይቲ በብዓሌትና ኣብ ዝተወሰነ ጊዜ በብዓመት ናብ ቤት ኣቦና ኸነምፅኦ፥ ዕፃ ኣውደቕና። በዅሪ ፍረ ምድርናን በዅሪ ፍረ ኵሉ ኦምን ኵሉ ድማ፥ በብዓመት ናብ ቤት ኣቦና ኸነምፅእ ተመባፅዕና። ከምቲ ኣብ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ ነበዅሪ ደቅናን እንስሳናን፥ ነበዅሪ ከፍትናን ኣባጊዕናን ናብ ቤት ኣቦና ናብቶም ኣብኡ ዘገልግሉ ካህናት ከነምፅእ ኢና። ቐዳማይ ብዅዕናን፥ መባእናን፥ ፍረ ኵሉ ኦምን፥ ወይንን ዘይትን ናብ ካህናት ናብ መዛግብ ቤት ኣቦና ኸነምፅእ ኢና፤ ዓስራት ምድርና ድማ ናብ ሌዋውያን፤ እቶም ሌዋውያን ኣብ ኵለን ሓረስቶት ዘለዋ ኸተማታትና ዓስራት ይእክቡ እዮም እሞ። ካብ ኣሮን ዝተወለደ ካህን ድማ ምስቶም ሌዋውያን ዓስራት ክእክቡ እንተለዉ ምሳታቶም ይኸውን እዩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ ካብቲ ዓስራት ዓስራት ናብ ቤት ኣቦና ናብ መዛግብ መዝገብ ከደይብዎ እዮም። ደቂ እስራኤልን ሌዋውያንን ድማ፥ መባእ እኽልን ወይንን ዘይትን ናብቲ ኣቑሑ መቕደስ ዘለዎ መዛግብ፥ ናብቲ እቶም ዘገልግሉ ካህናትን ሓለውቲ ደገን መዘምራንን ዝቕመጡሉ ኸምፅኡ እዮም። ንቤት ኣቦና ኸዓ ሸለል ኣይክንብሎን ኢና።