ናብ ገዛ ኣቦኻ ተመለስ
እቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እቲ ፀዋዒት እዩ። ቃላት ኣዳሊኹም ተመለሱ፥ ኣሶርን ኣፍራስን ከድሕኑ ከም ዘይኽእሉ ተኣመኑ፥ ንግብሪ ኣእዳውኩም ‘ኣማልኽቲ’ ምባል ኣቋርፁ። ኣቦና ብፍታዉ ኸፍቅሮም ተስፋ ይኣቱ፥ ከም ኣውሊ ድማ ክኾኖም፥ ፍሪኦም ካብኡ ኸም ዝርከብ ድማ ኣግሂዱ ይብል።
14 1ኦ እስራኤል፥ ናብ ኣቦኻ ተመለስ፤ ብሰሪ ሓጢኣትካ ተዓንቂፍካ ኢኻ እሞ።
2ናብ ኣቦና ዝተዳለወ ቃላት ሒዝኩም ተመለሱ፤ ከምዙይ በልዎ፦ “ንዅሉ በደልና ኣርሕቐልና፥ ብፀጋ ድማ ተቐበለና፥ ፍረ ኸናፍርና ምእንቲ ኸነቕርብ። 3ኣሶር ኣየድሕነናን እዩ፤ ኣብ ኣፍራስ ኣይንወጥሕን ኢና። ደጊም ‘ኣማልኽትና’ ንግብሪ ኣእዳውናስ ኣይንብሎን ኢና፥ ኣባኻ እቲ ደኽታም ርህራሄ ኣቦ ይረክብ እዩ እሞ።”
4“ንምዝንባሎም ከሕውዮ እየ፤ ብፍታወይ ከፍቅሮም እየ፥ ቍጥዓይ ካብኣቶም ተመሊሱ እዩ እሞ። a a v4 ሆሴእ ኣብቲ ኣቦ ንውሉዱ ወትሩ ኬምፅኦም ዝናፈቐሉ ቦታ ይዛዘም፦ ተፈዊሶም ብፍታው ድማ ተፈቒሮም — ስለ ዘጥረይዎ ዘይኮነ፥ ልቡ ናብ ገዛ ስለ ዝተመለሰ ደኣ እምበር። 5ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክኾኖ እየ፤ ከም ዕምበባ ሱፍ ክዓምብብ እዩ፥ ከም ፅሕድታት ሊባኖስ ድማ ሱሩ ክሰድድ እዩ። 6ጨናፍሩ ክዝርግሑ እዮም፤ ግርማኡ ከም ኦም ኣውሊዕ ክኸውን እዩ፥ መኣዛኡ ከም ፅሕድታት ሊባኖስ ክኸውን እዩ። 7ተመሊሶም ኣብ ፅላለይ ክነብሩ እዮም፤ ከም እኽሊ ክልምልሙ፥ ከም ወይኒ ድማ ክዓምብቡ እዮም፥ ዝናኦም ከዓ ከም ወይኒ ሊባኖስ ክኸውን እዩ። 8ኦ ኤፍሬም፥ ደጊም ምስ ጣዖታት እንታይ ኣለኒ? ኣነ እየ ዝምልሰልካን ዝሕልወካን። ኣነ ከም ልምሉም ፅሕዲ እየ፤ ፍሬኻ ካባይ እዩ ዝርከብ።”
9እቲ ጥበበኛ ነዝ ነገራት እዙይ የስተውዕሎ፤ እቲ መስተውዓሊ ድማ ይፍለጦም። መንገድታት ኣቦና ቅኑዕ እዩ እሞ፥ እቶም ፃድቃን በታቶም ይኸዱ፤ እቶም ዓመፀኛታት ግና በታቶም ይዕንቀፉ።