ኣቦ ንካህናዊ ዘር ሌዊ ፈለዮ
ሓረግ ሌዊ ብኣሮን ኣቢሉ ክሳዕ እቲ ናብ ምርኮ ዝኸደ ኻህን ይስዓብ፥ ድሕሪኡ ኸዓ በቶም ዳዊት ንቤት ኣቦና ዝመደቦም መዘምራን። እቲ ርስቲ ምድሪ ዘይብሉ ነገድ፥ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኵሎም እቶም ካልኦት ተበቲነን ዘለዋ ኣርብዓን ሸሞንተን ከተማታት ይወሃቦ።
6 1ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ። 2ደቂ ቀዓት፦ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል። 3ደቂ እንበረም፦ ኣሮን፥ ሙሴ፥ ማርያም እዮም። ደቂ ኣሮን ድማ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛር፥ ኢታምር እዮም። 4ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ፥ ፊንሃስ ንኣቢሱዓ ወለደ፥ 5ኣቢሱዓ ንቡቂ ወለደ፥ ቡቂ ንዑዚ ወለደ፥ 6ዑዚ ንዘራህያ ወለደ፥ ዘራህያ ንመራዮት ወለደ፥ 7መራዮት ንኣማርያ ወለደ፥ ኣማርያ ንኣኪጡብ ወለደ፥ 8ኣኪጡብ ንሳዶቅ ወለደ፥ ሳዶቅ ንኣኪማኣስ ወለደ፥ 9ኣኪማኣስ ንኣዛርያስ ወለደ፥ ኣዛርያስ ንዮሃናን ወለደ፥ 10ዮሃናን ንኣዛርያስ ወለደ፤ ኣዛርያስ ድማ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ ካህን ኮይኑ ኣገልገለ። 11ኣዛርያስ ንኣማርያ ወለደ፥ ኣማርያ ንኣኪጡብ ወለደ፥ 12ኣኪጡብ ንሳዶቅ ወለደ፥ ሳዶቅ ንሻሉም ወለደ፥ 13ሻሉም ንሒልቅያ ወለደ፥ ሒልቅያ ንኣዛርያስ ወለደ፥ 14ኣዛርያስ ንሰራያ ወለደ፥ ሰራያ ድማ ንዮሳዳቅ ወለደ። 15ዮሳዳቅ ከዓ፥ ኣቦና ንይሁዳን ኢየሩሳሌምን ብኢድ ናቡከደነፆር ምስ ኣግዐዞም፥ ናብ ምርኮ ኸደ።
16ደቂ ሌዊ፦ ጌርሳም፥ ቀዓት፥ ሜራሪ። 17እዚኣቶም ኣስማት ደቂ ጌርሳም እዮም፦ ሎቤኒን ስሜኢን። 18ደቂ ቀዓት፦ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል። 19ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊ፥ ሙሲ። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤቶም እዚኣቶም እዮም። 20ናይ ጌርሳም፦ ሎቤኒ ወዱ፥ ያሃፅ ወዱ፥ ዚማ ወዱ፥ 21ዮኣሕ ወዱ፥ ዒዶ ወዱ፥ ዛራ ወዱ፥ የኣትራይ ወዱ። 22ዘርኢ ቀዓት፦ ኣሚናዳብ ወዱ፥ ቆሬ ወዱ፥ ኣሴር ወዱ፥ 23ሕልቃና ወዱ፥ ኣብያሳፍ ወዱ፥ ኣሴር ወዱ፥ 24ታሓት ወዱ፥ ዑርኤል ወዱ፥ ዖዝያን ወዱ፥ ሳኦል ወዱ። 25ደቂ ሕልቃና፦ ኣማሳይ፥ ኣኪሞት፥ 26ሕልቃና ወዱ፥ ፆፋይ ወዱ፥ ናሖት ወዱ፥ 27ኤልያብ ወዱ፥ የኢያሬምኤል ወዱ፥ ሕልቃና ወዱ። 28ደቂ ሳሙኤል፦ እቲ በዅሪ ኢዩኤል፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብያ። 29ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊ፥ ሎቤኒ ወዱ፥ ሰሜኢ ወዱ፥ ዖዛ ወዱ፥ 30ሺምዓ ወዱ፥ ሃጊያ ወዱ፥ ኣሳያ ወዱ።
31እቲ ታቦት ዕረፍቲ ድሕሪ ምርካቡ፥ ዳዊት ኣብ ቤት ኣቦና ኣብ ልዕሊ ዝማሬ ዝመደቦም ሰባት እዚኣቶም እዮም። 32ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት ኣቦና ክሳዕ ዝሰርሕ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕደር፥ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብዝማሬ የገልግሉ ነበሩ፤ ከምቲ ዝተመደበሎም ስርዓት ድማ ኣገልግሎቶም ፈፀሙ። 33ዘገልግሉ ምስ ደቆም እዚኣቶም እዮም። ካብ ቀዓታውያን፦ እቲ ዘማሪ ሄማን፥ ወዲ ኢዩኤል፥ ወዲ ሳሙኤል፥ 34ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኤሊኤል፥ ወዲ ቶኣ፥ 35ወዲ ፁፍ፥ ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ማሃት፥ ወዲ ኣማሳይ፥ 36ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ኢዩኤል፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ ሶፎንያስ፥ 37ወዲ ታሓት፥ ወዲ ኣሴር፥ ወዲ ኣብያሳፍ፥ ወዲ ቆሬ፥ 38ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቀዓት፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ እስራኤል። 39ሓዉ ኣሳፍ ድማ ኣብ የማን ሄማን ደው ይብል ነበረ፤ ኣሳፍ ወዲ በራክያ፥ ወዲ ሺምዓ፥ 40ወዲ ሚካኤል፥ ወዲ በዓስያ፥ ወዲ መልክያ፥ 41ወዲ ኤትኒ፥ ወዲ ዛራ፥ ወዲ ዓዳያ፥ 42ወዲ ኤታን፥ ወዲ ዚማ፥ ወዲ ሰሜኢ፥ 43ወዲ ያሓት፥ ወዲ ጌርሳም፥ ወዲ ሌዊ። 44ብፀጋም ድማ ኣሕዋቶም ደቂ ሜራሪ፦ ኤታን ወዲ ቂሺ፥ ወዲ ዓብዲ፥ ወዲ ማሉክ፥ 45ወዲ ሓሻብያ፥ ወዲ ኣማስያ፥ ወዲ ሒልቅያ፥ 46ወዲ ኣምዚ፥ ወዲ ባኒ፥ ወዲ ሳምር፥ 47ወዲ ሞሖሊ፥ ወዲ ሙሺ፥ ወዲ ሜራሪ፥ ወዲ ሌዊ።
48ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ማሕደር፥ ቤት ኣቦና፥ ተመዘዙ። 49ኣሮንን ደቁን ግና ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ መሰውኢ ዕጣንን የቕርቡ ነበሩ፤ ኵሉ ዕዮ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን እናገበሩ፥ ንእስራኤል ከዓ የስተስርዩ ነበሩ፤ ከምቲ ሙሴ ባርያ ኣቦና ዝኣዘዞ ዅሉ።
50ደቂ ኣሮን እዚኣቶም እዮም፦ ኣልኣዛር ወዱ፥ ፊንሃስ ወዱ፥ ኣቢሱዓ ወዱ፥ 51ቡቂ ወዱ፥ ዑዚ ወዱ፥ ዘራህያ ወዱ፥ 52ሜራዮት ወዱ፥ ኣማርያ ወዱ፥ ኣኪጡብ ወዱ፥ 53ሳዶቅ ወዱ፥ ኣኪማዓስ ወዱ።
54መንበሪታቶምን ኣብ ውሽጢ ወሰኖም ዝነበረ ሰፈራቶምን እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ ኣሮን ካብ ዓሌት ቀዓታውያን ዝነበሩ ቀዳማይ ዕፃ በፅሖም፥ 55ኬብሮን ኣብ ምድሪ ይሁዳ ምስ ኣብ ዙርያኣ ዝነበረ መዋፈሪኣ ድማ ተውሃቦም። 56ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ግና ግራውቲ እታ ኸተማን ቍሸታታን ሃብዎ። 57እምበኣር ንደቂ ኣሮን ከተማታት መዕቘቢ ተውሃባኦም፦ ኬብሮን፥ ልብና ምስ መዋፈሪኣ፥ የቲር፥ ኤሽትሞዓ ምስ መዋፈሪኣ፥ 58ሒለን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳቤር ምስ መዋፈሪኣ፥ 59ዓሻን ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሳሜስ ምስ መዋፈሪኣ። 60ካብ ነገድ ብንያም ድማ፦ ጋባ፥ ዓለሜት፥ ኣናቶት፥ ነፍሲ ወከፍ ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በብዓሌቶም እየን።
61እቶም ዝተረፉ ቀዓታውያን ድማ ካብ ዓሌታት ፍርቂ ነገድ ምናሴ ዓሰርተ ኸተማታት ብዕፃ በፅሓኦም። 62ደቂ ጌርሳም ከዓ በብዓሌቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ኣሴርን ንፍታሌምን ካብቲ ኣብ ባሳን ዘሎ ክፍሊ ምናሴን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት ተውሃቦም። 63ደቂ ሜራሪ ድማ በብዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ጋድን ዛብሎንን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት ብዕፃ በፅሓኦም። 64ደቂ እስራኤል ከዓ ነዘን ከተማታት እዚኣተን ምስ መዋፈሪአን ንሌዋውያን ሃብዎም። 65ካብ ነገድ ይሁዳን ስምኦንን ብንያምን ድማ ነተን ልዕል ኢለን ዝተሰመያ ኸተማታት ብዕፃ ሃብዎም።
66ገሊኦም ዓሌታት ቀዓታውያን ድማ ካብ ነገድ ኤፍሬም ከተማታት ወሰን ረኸቡ። 67ከተማታት መዕቘቢ ድማ ተውሃባኦም፦ ሴኬም ኣብ እምባታት ኤፍሬም ምስ መዋፈሪኣ፥ ጌዘር ምስ መዋፈሪኣ፥ 68ዮቅምዓም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሖሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ 69ኤሎን ምስ መዋፈሪኣ፥ ጋትሪሞን ምስ መዋፈሪኣ። 70ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ድማ፦ ዓኔር ምስ መዋፈሪኣን ቢልዓም ምስ መዋፈሪኣን፥ ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ቀዓታውያን።
71ደቂ ጌርሳም ከዓ ኻብ ዓሌት ፍርቂ ነገድ ምናሴ፦ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላን ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣስታሮት ምስ መዋፈሪኣ፥ ተቐበሉ። 72ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቃዴስ ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳብራት ምስ መዋፈሪኣ፥ 73ራሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓኔም ምስ መዋፈሪኣ፥ 74ካብ ነገድ ኣሴር ከዓ ማሻል ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓብዶን ምስ መዋፈሪኣ፥ 75ሑቆቅ ምስ መዋፈሪኣ፥ ረኣብ ምስ መዋፈሪኣ፥ 76ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ፦ እታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስ ምስ መዋፈሪኣ፥ ሓሞን ምስ መዋፈሪኣ፥ ቂርያታይም ምስ መዋፈሪኣ።
77እቶም ዝተረፉ ደቂ ሜራሪ ኸዓ ኻብ ነገድ ዛብሎን፦ ሪሞኖ ምስ መዋፈሪኣን ታቦር ምስ መዋፈሪኣን ረኸቡ። 78ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ፥ ኣብ ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ካብ ነገድ ሮቤል፦ እታ ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ቦሶር ምስ መዋፈሪኣ፥ ያሃፅ ምስ መዋፈሪኣ፥ 79ቅዴሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ ሜፌዓት ምስ መዋፈሪኣ፥ 80ካብ ነገድ ጋድ ድማ ኣብ ገለዓድ እትርከብ ራሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ መሓናይም ምስ መዋፈሪኣ፥ 81ሓሴቦን ምስ መዋፈሪኣ፥ ኢያዜር ምስ መዋፈሪኣ።