ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እቶም ጀጋኑ ደቂ ይሳኮር

ሰሜናውያን ነገዳት ብሓይሊ ውግኦም ተቘፀሩ — ይሳኮር፥ ብንያም፥ ንፍታሌም፥ ምናሴ፥ ኣሴር — ንውግእ ድሉዋት ኣእላፍ ሒዞም። መእተዊ ኤፍሬም ግና ነቲ ቅዲ ይሰብሮ፦ ከፍቲ እናገፉ ዝተቐተሉ ደቂ፥ ንመዓልቲታት ዝሓዘነ ኣቦ፥ ከተማታት ዝሰርሐት ጓል።

ምዕራፍ 7።

ደቂ ይሳኮር፦ ቶላ፥ ፉዋ፥ ያሱብ፥ ሺምሮን፥ ብምሉኦም ኣርባዕተ እዮም። ደቂ ቶላ፦ ዑዚ፥ ረፋያ፥ የሪኤል፥ ያሕማይ፥ ይብሳም፥ ሰላምኤል፥ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ፤ ብትውልዶም ኣብ ዓሌት ቶላ ጀጋኑ ሓያላት ነበሩ። ብዘመን ዳዊት ድማ ቍፅሮም ዕስራን ክልተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ። ወዲ ዑዚ፦ ይዝራህያ። ደቂ ይዝራህያ፦ ሚካኤል፥ ኣብድዩ፥ ኢዩኤል፥ ይሺያ፥ ብምሉኦም ሓሙሽተ ኣሕሉቕ እዮም። ምሳቶም ድማ፥ በብትውልዶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን፥ ብዙሓት ኣንስትን ውሉድን ስለ ዝነበርዎም፥ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ ሰራዊት ውግእ ነበሩ። ኣሕዋቶም ድማ፥ ኵሎም ዓሌታት ይሳኮር፥ ብዝሒ ትውልዶም ሰማንያን ሸውዓተን ሽሕ ጀጋኑ ሓያላት ነበሩ።

እቶም ተዋጋእቲ ዓሌታት ብንያም

ደቂ ብንያም ሰለስተ፦ ቤላ፥ ቤከር፥ ዪዲኤል እዮም። ደቂ ቤላ፦ ኤስቦን፥ ዑዚ፥ ዑዝኤል፥ የሪሞት፥ ዒሪ፥ ሓሙሽተ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት፥ ጀጋኑ ሓያላት እዮም። ብዝሒ ትውልዶም ድማ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ነበረ። ደቂ ቤከር፦ ዘሚራ፥ ኢዮኣስ፥ ኤልኤዘር፥ ኤልዮዔናይ፥ ዘንበሪ፥ የሪሞት፥ ኣብያ፥ ኣናቶት፥ ዓለሜት፤ እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ቤከር እዮም። ብዝሒ ትውልዶም ድማ፥ በብትውልዶም፥ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ጀጋኑ ሓያላትን ነበሩ። ወዲ ዪዲኤል፦ ቢልሃን። ደቂ ቢልሃን፦ የዑስ፥ ብንያም፥ ናዖድ፥ ክንዓና፥ ዜታን፥ ተርሴስ፥ ኣሒሻሓር። እዚኣቶም ደቂ ዪዲኤል፥ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት፥ ጀጋኑ ሓያላት፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዓሰርተን ሸውዓተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። ሹፒምን ሑፊምን ድማ ደቂ ዒር፥ ሑሳውያንውን ደቂ ኣሄር እዮም።

ንፍታሌም፦ ባላ ዝወለደቶም ደቂ

ደቂ ንፍታሌም፦ ያሕፅኤል፥ ጉኒ፥ ዮፅር፥ ሻሉም፥ ደቂ ባላ እዮም።

ደቂ ምናሴ፦ ኣስሪኤል፥ ንእኡ ሶርያዊት ዕቅብቱ ወለደትሉ፤ ንማኪር ኣቦ ገለዓድ ድማ ወለደት። ማኪር ድማ ካብ ሑፊምን ሹፒምን ሰበይቲ ኣእተወ፤ ስም ሓፍቱ ኸዓ ማዓካ ነበረ። ስም እቲ ኻልኣይ ድማ ሰለጰኣድ ነበረ፤ ንሱ ኣጓላት ጥራሕ ነበርዎ። ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደት፤ ፌሬሽ ኢላ ኸዓ ሰመየቶ፤ ሓዉ ድማ ሼሬሽ ነበረ፤ ደቁ ኸዓ ኡላምን ራቄምን ነበሩ። ወዲ ኡላም፦ በዳን። እዚኣቶም ደቂ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ወዲ ምናሴ እዮም። ሓፍቱ ሃሞሌኬት ድማ ንኢሽሆድን ኣቢዔዘርን ማሕላን ወለደት። ደቂ ሸሚዳ ድማ፦ ኣሒያን፥ ሰኬም፥ ሊቂ፥ ኣኒዓም እዮም።

ሓዘን ኤፍሬምን ትውልዲ ኢያሱን

ደቂ ኤፍሬም፦ ሱቱላ፥ ወዱ ባሬድ፥ ወዱ ታሓት፥ ወዱ ኤልዓዳ፥ ወዱ ታሓት። ወዱ ዛባድ፥ ወዱ ሱቱላ። እቶም ኣብታ ምድሪ ዝተወለዱ ሰብ ጋት ድማ፥ ንዔፀርን ንኤልዓድን ማል ሰብ ጋት ክወስዱ ምስ ወረዱ፥ ቀተልዎም። ኣቦኦም ኤፍሬም ድማ ብዙሕ መዓልቲ ሓዘነ፤ ኣሕዋቱ ኸዓ ከፅናንዕዎ መፁ። ናብ ሰበይቱ ድማ ኣተወ፤ ንሳ ኸዓ ጠኒሳ ወዲ ወለደት፤ ኣብ ቤቱ ክፉእ ስለ ዝወረደ ድማ በሪዓ ኢሉ ሰመዮ። ጓሉ ድማ ሴራ ነበረት፤ ንሳ ኸዓ ንታሕተዋይን ላዕለዋይን ቤትሖሮን ከምኡውን ንኡዘን ሴራ ሰርሐት። ረፋ ወዱ፥ ሬሸፍ ወዱ፥ ቴላ ወዱ፥ ታሓን ወዱ፥ ላዓዳን ወዱ፥ ዓሚሁድ ወዱ፥ ኤሊሳማ ወዱ፥ ነዌ ወዱ፥ ኢያሱ ወዱ። ጥሪቶምን መንበሪታቶምን ድማ፦ ቤትኤል ምስ ቁሸታታ፥ ብምብራቕ ናዓራን፥ ብምዕራብ ጌዝር ምስ ቁሸታታ፥ ሰኬም ምስ ቁሸታታ፥ ክሳዕ ዓያ ምስ ቁሸታታ ነበረ። ኣብ ጥቓ ወሰናት ደቂ ምናሴ ድማ፦ ቤትሳንን ታዕናክን መጊዶን ዶርን ምስ ቁሸታተን ነበራ። ኣብኡ ኸዓ ደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ይነብሩ ነበሩ።

ደቂ ኣሴር፦ ተዋጋእትን ሓለቑን

ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ ዪስዋ፥ የስዊ፥ በሪዓ፤ ሓፍቶም ድማ ሴራሕ ነበረት። ደቂ በሪዓ፦ ሔቤርን መልኪኤልን እዮም፤ መልኪኤል ድማ ኣቦ ቢርዛይት እዩ። ሔቤር ድማ ንያፍሌትን ሾሜርን ሆታምን፥ ሓፍቶም ሹዓን ወለደ። ደቂ ያፍሌት፦ ጳሳክ፥ ቢምሃል፥ ኣሽዋት እዮም። እዚኣቶም ደቂ ያፍሌት እዮም። ደቂ ሳምር፦ ኣሒ፥ ሮህጋ፥ ሑባ፥ ኣራም እዮም። ደቂ ሔሌም ሓዉ ድማ፦ ፆፋ፥ ዪምና፥ ሼለሽ፥ ዓማል እዮም። ደቂ ፆፋ፦ ሱዋ፥ ሃርኔፈር፥ ሹዓል፥ ቤሪ፥ ዪምራ፥ ቦሶር፥ ሆድ፥ ሻማ፥ ሺልሻ፥ ይትራን፥ ቤዔራ። ደቂ ዬቴር፦ ዮፎኒ፥ ጲስጳ፥ ኣራ እዮም። ደቂ ዑላ፦ ኣራ፥ ኣኒኤል፥ ሪዝያ እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኣሴር፥ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት፥ ሕሩያት ሰባት፥ ጀጋኑ ሓያላት፥ ኣሕሉቕ ሹመኛታት ነበሩ። ናይ ውግእ ኣገልግሎት ትውልዶም ድማ፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ሰብኡት ነበረ።