ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዓሌታት ብንያም፦ ትውልዲ ሳኦል

ዓሌታት ብንያም ብዝርዝር፥ ክሳዕ ገባዖንን ኢየሩሳሌምን ተኸቲሎም፥ ክሳዕ ቂስ፥ ሳኦል፥ ዮናታን፥ ደቆምን ደቂ ደቆምን ይወርዱ። እቲ ቐዳማይ ንጉስ እስራኤል ኣብዙይ ዛንታ የብሉን፥ ከም ዝኾነ ሰብ ተዘርዚሩ፥ ትውልድን ዘርእን ጥራሕ።

ምዕራፍ 8።

ብንያም ነቲ በዅሪ ወዱ ቤላ፥ ካልኣዩ ኣስቤል፥ ሳልሳይ ኣሓራ ወለደ፤ ራብዓይ ኖሓ፥ ሓምሻይ ድማ ራፋ እዮም። ደቂ ቤላ ድማ፦ ኣዳር፥ ጌራ፥ ኣቢሁድ፥ ኣቢሱዓ፥ ናዕማን፥ ኣሖሓ፥ ጌራ፥ ሸፉፋን፥ ሑራም እዮም። እዚኣቶም ደቂ ኤሁድ እዮም፤ ነቶም ኣብ ጌባ ዝነብሩ ዘመሓድሩ ኣሕሉቕ ዓሌት ነበሩ፤ ናብ ማኔሓት ከዓ ኣግዓዝዎም፦ ናዕማንን ኣኪያን ጌራን እዮም፤ ጌራ ኣግዓዞም፤ ንዖዛን ንኣሒሁድን ከዓ ወለደ።

ሻሓራይም ነንስቱ ሑሺምን ባዓራን ምስ ሰደደ፥ ኣብ ሃገር ሞኣብ ደቂ ወለደ። ካብ ሰበይቱ ሖዴሽ ድማ ንዮባብ፥ ንዚብያ፥ ንሜሳ፥ ንማልካም፥ ንየዑዝ፥ ንሳክያ፥ ንሚርማ ወለደ። እዚኣቶም ደቁ፥ ኣሕሉቕ ዓሌት እዮም። ካብ ሑሺም ከዓ ንኣቢጦብን ንኤልጳዓልን ወለደ። ደቂ ኤልጳዓል ድማ፦ ኤቤር፥ ሚሳም፥ ሳሜድ፤ ንሱ ኸዓ ንኦኖን ንሎድን ምስተን ኣብ ዙርያአን ዝነበራ ኸተማታት ሰርሐ፥ በሪዓን ሸማዕን ከዓ ነቶም ኣብ ኣያሎን ዝነብሩ ኣሕሉቕ ዓሌት ነበሩ፤ ነቶም ኣብ ጌት ዝነብሩ ድማ ሰጐጕዎም። ኣሕዮ፥ ሻሻቅ፥ የሪሞት፥ ዘባድያ፥ ኣራድ፥ ዔደር፥ ሚካኤል፥ ዪስጳ፥ ዮሓ ድማ ደቂ በሪዓ እዮም። ዘባድያ፥ መሱላም፥ ሒዝቂ፥ ሔቤር፥ ዪስሜራይ፥ ዪዝልያ፥ ዮባብ ድማ ደቂ ኤልጳዓል እዮም። ያቂም፥ ዝክሪ፥ ዛብዲ፥ ኤልዒናይ፥ ፂልታይ፥ ኤሊኤል፥ ዓዳያ፥ በራያ፥ ሺምራት ድማ ደቂ ሳሚ እዮም። ዪስጳን፥ ኤቤር፥ ኤሊኤል፥ ዓብዶን፥ ዝክሪ፥ ሓናን፥ ሃናንያ፥ ዔላም፥ ዓንቶትያ፥ ዪፍድያ፥ ጵኒኤል ድማ ደቂ ሻሻቅ እዮም። ሻምሻራይ፥ ሸሓርያ፥ ዓታልያ፥ ያዓሪሽያ፥ ኤልያስ፥ ዝክሪ ድማ ደቂ የሮሃም እዮም። እዚኣቶም ኣሕሉቕ ዓሌትን ሹመኛታትን እዮም፤ በብትውልዶም ዝተቘፀሩ ነበሩ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ተቐመጡ።

ኣብ ገባዖን ድማ ኣቦ ገባዖን ተቐመጠ፤ ሰበይቱ ኸዓ ማዓካ ትብሃል ነበረት፥ እቲ በዅሪ ወዱ ድማ ዓብዶን፥ ድሕሪኡ ፁር፥ ቂስ፥ በዓል፥ ናዳብ፥ ግዶር፥ ኣሕዮ፥ ዛከር እዮም። ሚቅሎት ድማ ንሳምዓ ወለደ። እዚኣቶም ከዓ ምስ ኣዝማዶም ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ።

ኔር ንቂስ ወለደ፥ ቂስ ንሳኦል ወለደ፥ ሳኦል ከዓ ንዮናታን፥ ንሜልኪሳ፥ ንኣሚናዳብ፥ ንእሽባዓል ወለደ። ወዲ ዮናታን ድማ ሜሪብባዓል እዩ፤ ሜሪብባዓል ከዓ ንሚካ ወለደ። ደቂ ሚካ ድማ፦ ፒቶን፥ ሜሌክ፥ ተርያ፥ ኣካዝ እዮም። ኣካዝ ንየሆዓዳ ወለደ፥ የሆዓዳ ንዓለሜትን ንዓዝሞትን ንዘምሪን ወለደ፥ ዘምሪ ከዓ ንሞፃ ወለደ። ሞፃ ንቢንያ ወለደ፤ ራፋ ወዱ፥ ኤልዓሳ ወዱ፥ ኣፄል ወዱ እዩ። ኣፄል ድማ ሽዱሽተ ኣወዳት ነበርዎ፤ ስሞም ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ዓዝሪቃም፥ ቦከሩ፥ እስማኤል፥ ሸዓርያ፥ ኣብድዩ፥ ሓናን፤ እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኣፄል እዮም። ደቂ ኤሸቅ ሓዉ ኸዓ፦ እቲ በዅሪ ኡላም፥ ካልኣዩ የዑስ፥ ሳልሳይ ኤሌፋላት እዮም። ደቂ ኡላም ከዓ ሓያላት ጀጋኑ፥ ቀስቲ ዝውርውሩ ሰባት ነበሩ፤ ብዙሓት ኣወዳትን ደቂ ደቆምን ድማ ነበርዎም፤ ኵላቶም ሚእትን ሓምሳን እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ብንያም እዮም።