ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኵሉ ነገር ናቱ እዩ

መዝሙር ዳዊት።

ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎን ናይ ኣቦና እዩ እሞ፥ ናብኡ ምቕራብ ብውዕሉ እዩ፦ ንፁህ ኣእዳው፥ ንፁህ ልቢ፥ ብሓሰት ዘይምሓል። ሽዑ እቶም ደጌታት ባዕሎም ነቲ ኣብ ውግእ ሓያል ዝኾነ ንጉስ ክብሪ ምእንቲ ክኣቱ ክኽፈቱ ይእዘዙ።

ምዕራፍ 24።

ምድርን ኣብኣ ዘሎ ኵሉን፥ ዓለም ከምኡውን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ናይ ኣቦና እዮም። ንሱ መሰረታት ኣብ ባሕርታት መስሪቱ፥ ኣብ ሩባታት ከዓ ሰሪሕዋ እዩ እሞ። ናብ እምባ ኣቦና መን ይድይብ? ኣብ ቅዱስ ቦታኡ ኸ መን ይቐውም? እቲ ንፁህ ኣእዳውን ንፁህ ልብን ዘለዎ፥ ልቡ ናብ ሓሰት ዘየዘንብል፥ ብተንኰል ከዓ ዘይምሕል እዩ። ንሱ ኻብ ኣቦና በረኸት፥ ካብቲ ዘድሕን ኣቦኡ ኸዓ ፅድቂ ኽቕበል እዩ። እዙይ እቲ ትውልዲ እቶም ዝደልይዎ እዩ፥ ገፅካ ዝደልዩ ኦ ኣምላኽ ያእቆብ። a a v6 ሴላ፦ ኣብ እዋን ኣምልኾ ንምስትንታን ዝግበር ናይ ሙዚቃ ምልክት ወይ ዕረፍቲ ክኸውን ይኽእል፤ ኣብ ቍፅሪ 10 እውን ኣሎ።

ኣቱም ደጌታት፥ ኣርእስትኹም ኣልዕሉ! ኣቱም ጥንታውያን መዓፁ፥ ልዕል በሉ፥ ንጉስ ክብሪ ምእንቲ ኽኣቱ። እዝ ንጉስ ክብሪ እዙይ መን እዩ? ኣቦና፥ ብርቱዕን ሓያልን፥ ኣቦና፥ ኣብ ውግእ ሓያል። b b v8 እቲ ናብ ደጌታት ዝኣቱ ንጉስ ክብሪ፥ ባዕሉ ኣቦና እዩ፥ ንምድሓን ብርቱዕ፥ ንውሉዱ ንምክልኻል ከዓ ሓያል። ኣቱም ደጌታት፥ ኣርእስትኹም ኣልዕሉ! ኣቱም ጥንታውያን መዓፁ፥ ኣልዕልዎም፥ ንጉስ ክብሪ ምእንቲ ኽኣቱ። እዝ ንጉስ ክብሪ እዙይ ንሱ መን እዩ? ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ንሱ እቲ ንጉስ ክብሪ እዩ።