ሰሎሞን ቤት ኣቦ ክሰርሕ መደበ
ሰሎሞን ብዙሕ ሰራሕተኛ ኣዳለወ፤ ካብ ሑራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ኦም ዝግባን ጥበበኛ ሰራሒን ሓተተ። እንታይ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኸዓ ኣግሂዱ ተዛረበ፦ ንስም ኣቦኡ ቤት፤ ንእኡ ሰማይ ክፆሮ ኣይኽእልን፥ ኣብኡ ኽኽበር ጥራሕ ይከኣል እምበር፥ ከቶ ኣይሕደርን።
2 1ሰሎሞን ንስም ኣቦና ቤት፥ ንርእሱ ኸዓ ቤተ መንግስቲ ክሰርሕ መደበ። 2ሰሎሞን ድማ ሰብዓ ሽሕ ተሸከምቲ፥ ኣብ እምባታት ድማ ሰማንያ ሽሕ ወቐርቲ እምኒ፥ ኣብ ልዕሊኦም ከዓ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሹመኛታት ሰርዐ።
3ሰሎሞን ድማ ናብ ሑራም ንጉስ ጢሮስ ልኢኹ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብኡ ዝነብረላ ቤቱ ክሰርሕ ኦም ዝግባ እናሰደድካሉ፥ ከምቲ ንኣቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ፥ ንኣይ ድማ ግበረለይ። 4እንሆ ኣነ ንስም ኣቦይ ቤት ክሰርሕ እየ፥ ንእኡ ድማ ክቅድሳ፤ ኣብ ቅድሚኡ ምዑዝ ዕጣን ከዕጥን፥ ሕብስቲ ቝርባን ኵልሻዕ ከዳሉ፥ ንግሆን ምሸትን፥ ብሰናብትን ብሰርቀ ወርሕን በቲ ምዱብ በዓላት ኣቦናን ድማ ዝቃፀል መስዋእቲ ከቕርብ እየ። እዙይ ኸዓ እስራኤል ንዘለኣለም ክገብሮ እዩ። a a v4 ሕብስቲ ቝርባን፦ ኣብ ውሽጣዊ መቕደስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ዝቐርብ ስርዓታዊ ሕብስቲ እዩ።
5እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤት ዓባይ ክትከውን እያ፥ ኣቦና ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ይዓቢ እዩ እሞ። 6ግናኸ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ክፆርዎ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፥ ቤት ክሰርሓሉ ዝኽእል መን እዩ? ኣነኸ ኣብ ቅድሚኡ መስዋእቲ ኸቕርብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ቤት ክሰርሓሉ መን እየ?
7ሕዚ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን፥ ብሓምራውን ውፁእ ቀይሕን ሰማያውን ፈትልን፥ ብምቕራፅን ዝኸኣለ ጥበበኛ ስደደለይ፤ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለወለይ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዘለዉ ጥበበኛታተይ ኮይኑ ኽሰርሕ።
8ኦም ዝግባን ኦም ፅሕድን ካብ ሊባኖስ ድማ ቀይሕ ኦም ሳንዳልን ስደደለይ፤ ኣገልገልትኻ ኦም ሊባኖስ ብብልሓት ከም ዝቘርፁ እፈልጥ እየ እሞ፤ ኣገልገልተይ ድማ ምስ ኣገልገልትኻ ኽኾኑ እዮም። 9እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤት ዓባይን ዘደንቕን ክትከውን እያ እሞ፥ ብዙሕ ኦም ኣዳሉለይ። 10ነቶም ኦም ዝቘርፁ ኣገልገልትኻ ድማ፥ ኣስታት ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ መስፈሪ ዝተወቕዐ ስርናይ፥ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ መስፈሪ ስገም፥ ሚእትን ዓሰርተ ሓሙሽተን ሽሕ ሊትሮ ወይንን ሚእትን ዓሰርተ ሓሙሽተን ሽሕ ሊትሮ ዘይትን ክህብ እየ።”
11ሑራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ናብ ሰሎሞን ከምዙይ ኢሉ ፀሓፈ፦ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ የፍቅሮ እዩ እሞ፥ ንጉሶም ገይሩ ሸመካ።” 12ሑራም ድማ ከምዙይ በለ፦ “ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ! ንሱ ንንጉስ ዳዊት ለባም ወዲ፥ ልቦናን ምስትውዓልን ዘለዎ ሃቦ፥ ንእግዚኣብሄር ቤት፥ ንርእሱ ኸዓ ቤተ መንግስቲ ዝሰርሕ።
13ሕዚ ድማ ጥበበኛ፥ ምስትውዓል ዝተዓደለ ብልሓተኛ፥ ሑራም-ኣቢ ናባኻ እሰድድ ኣለኹ፥ 14ንሱ ኻብ ደቂ ዳን ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወልደ፥ ኣቦኡ ኸዓ በዓል ጢሮስ እዩ፤ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን ብእምንን ብዕንፀይትን፥ ብሓምራውን ሰማያውን ውፁእ ቀይሕን ፈትልን ብፅቡቕ ሃርን ዝኸኣለ እዩ። ኵሉ ዓይነት ምቕራፅ ክገብር፥ ዝተመደበሉ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ክሰርሕ ይኽእል፤ ምስ ጥበበኛታትካን ምስ ጥበበኛታት ጐይታይ ኣቦኻ ዳዊትን ኮይኑ ድማ ይሰርሕ።
15ስለዙይ ጐይታይ ነቲ ዝተመባፅዖ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ናብ ኣገልገልቱ ይስደዶ፥ 16ንሕና ኸዓ ዘድልየካ ዅሉ ኦም ካብ ሊባኖስ ክንቆርፅ፥ ብባሕሪ ብታንኳ ገይርና ናብ ኢዮጴ ኸነንሳፍፈልካ ኢና፤ ንስኻ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተደይቦ።”
17ሰሎሞን ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፥ ነቶም ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነብሩ ዅሎም ስደተኛታት ቘፀሮም፤ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ድማ ኮኑ። 18ካብኣቶም ድማ ሰብዓ ሽሕ ተሸከምቲ፥ ኣብ እምባታት ድማ ሰማንያ ሽሕ ወቐርቲ እምኒ፥ ነቲ ህዝቢ ዘስርሑ ኸዓ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሹመኛታት ገበረ።