ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ወረስቲ ፀጋ ኣቦ

ንሳቶም ቀደም ዓያሹ፥ ዘይእዙዛት፥ ነንሕድሕዶም ዝፀላልኡ ነበሩ፤ እቲ ዝቐየረ ግና ምሕረት ኣቦና፥ ሕፅበት ዳግም ልደትን ፍሳሰ መንፈስን እዩ፥ ናይ ባዕሎም ግብሪ ዘይኮነ፥ ወረስቲ ገይሩ ዝገበሮም። ስለዙይ ፅቡቕ ግብሪ፥ ብዛዕባ ሕጊ ባእሲ ዘይምግባር፥ ንፍልልይ ዝገብር ሰብ ድማ ክልተ ሻዕ ተጠንቂቑ ይሕደግ።

ምዕራፍ 3።

ንሓለቓታትን ንበዓል ስልጣንን ክግዝኡ፥ ክእዘዙ፥ ንኵሉ ሰናይ ግብሪ ድማ ድሉዋት ክኾኑ ኣዘክሮም፤ ንሓደኳ ከይሓምዩ፥ ካብ ባእሲ ክርሕቑ፥ ህዱኣት ክኾኑ፥ ንኵሉ ሰብ ድማ ፍፁም ለውሃት ከርእዩ፥ ኣዘክሮም። ንሕናውን ቀደም ዓያሹ፥ ዘይእዙዛት፥ ስሑታት፥ ንዝተፈላለየ ትምኒትን ተድላን ባሮት ዝነበርና፥ ብክፍኣትን ብቕንኣትን እንነብር፥ ፅሉኣት፥ ንሓድሕድና እንፃላላእ ኔርና። ሕያዋይነትን ፍቕርን ናይ ኣቦና መድሕንና ምስ ተገለፀ ግና፥ a a v4 ኣብዙይ “መድሕን” ንኣቦና ባዕሉ እዩ ዝሰምዮ — እቲ ምንጪ ምድሓን፥ ብወዱን ብመንፈሱን ዘድሕነና (ቍፅሪ 5-6)። ዝገበርናዮ ናይ ፅድቂ ግብሪ ብምዃኑ ዘይኮነ፥ ብምሕረቱ ደኣ፥ ብሕፅበት ዳግም ልደትን ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ምሕዳስን ኣድሓነና፤ ነዙይ ከዓ ብመድሕንና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኣብ ልዕሌና ብብዝሒ ኣፍሰሶ፤ ብፀጋኡ ፀዲቕና፥ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ክንኸውን እዩ። እዝ ቃል እዙይ እሙን እዩ፤ ነዝ ነገራት እዚ ኣፅኒዕካ ክትምህር እደሊ ኣለኹ፥ ምእንቲ እቶም ብኣቦና ዝኣምኑ ንሰናይ ግብሪ ርእሶም ከወፍዩ ክጥንቀቑ። እዝ ነገራት እዚ ፅቡቕን ንኵሉ ሰብ ዝጠቅምን እዩ።

ካብ ዓሻ ክርክርን ትውልድን ባእስን ብዛዕባ ሕጊ ዝግበር ባእስን ግና ርሓቕ፤ እዚኣቶም ዘይጠቕሙን ከንቱን እዮም እሞ። ንፍልልይ ዝገብር ሰብ ሓንሳእን ካልኣይ ጊዜን ኣጠንቅቖ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ካብኡ ርሓቕ፥ ከምዙይ ዝበለ ሰብ ዝተጠዋወየን ሓጥእን ምዃኑ፥ ባዕሉ ድማ ንርእሱ ኸም ዝኮነነ እናፈለጥካ።

ናይ መወዳእታ ቃላትን ሰላምታን

ንኣርጤማስ ወይ ንቲኪቆስ ናባኻ ምስ ለኣኽኩ፥ ክረምቲ ኣብኡ ኸሕልፍ ስለ ዝወሰንኩ፥ ናብ ኒቆጶሊስ ናባይ ክትመፅእ ፅዓር። ንዛናስ እቲ መምህር ሕግን ንኣጶሎስን ቀልጢፍካ ኣፋንዎም፤ ዝጐደሎም ከይህሉ ድማ ተጠንቀቕ። ህዝብናውን ፍረ ዘይብሎም ከይኮኑ፥ ነቲ ኣዝዩ ዘድሊ ነገር ንምምላእ፥ ንሰናይ ግብሪ ርእሶም ከወፍዩ ይመሃሩ።

እቶም ምሳይ ዘለዉ ኵሎም ሰላም ይብሉኻ። ነቶም ብእምነት ዘፍቅሩና ሰላም በሎም። ፀጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን።