ሓድሽ መዝሙር
ስሉጥ ዝኾነ ሓድሽ መዝሙር፦ ስዕስዒት፥ ከበሮ፥ ኣብ ዓራውቶም ኮይኖም ምዝማር፥ ኣብ ነገስታትን ኣህዛብን ነቲ ዝተፅሓፈ ፍርዲ ንምፍፃም ድማ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ኣብ ኢድ። እቲ ኽብሪ ናይቶም ትሑታት እዩ፥ ኣቦና ብምድሓን ዝኽልሎም።
149 1ሃሌሉያ! ንኣቦና ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፤ ምስጋናኡ ኣብ ጉባኤ እሙናት ይኹን።
2እስራኤል ብፈጣሪኦም ይተሓጐሱ፤ ደቂ ፅዮን ድማ ብንጉሶም ደስ ይበሎም። 3ንስሙ ብስዕስዒት ያመስግንዎ፤ ብኸበሮን ብበገናን ድማ ይቕነዩሉ። 4ኣቦና በቲ ህዝቡ ደስ ይብሎ እዩ እሞ፤ ንትሑታት ብምድሓን ይኽልሎም። a a v4 ኣቦና ንህዝቡ ብትዕግስቲ ጥራሕ ኣይፅወሮምን፥ ብኣታቶም ደስ ይብሎ እዩ ደኣ፥ ንትሑታትውን ብምድሓኑ የመልክዖም። 5እሙናት በዝ ክብሪ እዙይ ይተሓጐሱ፤ ኣብ ዓራውቶም ኮይኖም ብሓጐስ ይዘምሩ።
6ልዑል ምስጋና ኣቦና ኣብ ከንፈሮም፥ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ድማ ኣብ ኢዶም ይኹን፥ 7ኣብ ኣህዛብ ፍርዲ፥ ኣብ ህዝብታት ድማ መቕፃዕቲ ንምምፃእ፥ 8ንነገስታቶም ብሰንሰለት፥ ንክቡራቶም ድማ ብሞቕሕ ሓፂን ንምእሳር፥ 9እቲ ዝተፅሓፈ ፍርዲ ኣብ ልዕሊኦም ንምፍፃም እዩ። እዙይ ክብሪ ኵሎም እሙናቱ እዩ። ሃሌሉያ!