ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ውግእ ሮብዓም ኣቋረፀ

ሮብዓም ነቲ ሰሜን መሊሱ ኽማልኽ ሰራዊት ኣከበ፤ በዚ ቓል ኣቦና ኸዓ ተኸልከለ፦ እዙይ ካባይ ኮይኑ እዩ፥ ናብ ቤትኩም ተመለሱ። ኣብ ክንድኡ ንኸተማታት ይሁዳ ኣፅንዐ፥ እቶም ብምራኹት ጣዖታት ኢዮርብዓም ዝተሰጎጉ ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ናብኡ መፁ፥ ንመንግስቲ ድማ ንሰለስተ ዓመት ኣፅንዑ።

ምዕራፍ 11።

ሮብዓም ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ምስ እስራኤል ተዋጊኡ ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ክመልሳ፥ ካብ ቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣከበ። ግና ናብቲ ናይ ኣቦና ሰብ ዝኾነ ሳማያ ከምዙይ ዝብል ቃል ኣቦና መፀ፦

“ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ንጉስ ይሁዳን ነቶም ኣብ ይሁዳን ብንያምን ዘለዉ ኵሎም እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ ኣቦና ከምዙይ ይብል፦ ኣይትደይቡ፤ ንኣሕዋትኩምውን ኣይትዋግኡ። ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ቤቱ ይመለስ፤ እዙይ ካባይ ኮይኑ እዩሞ።” ንሳቶም ድማ ቃላት ኣቦና ሰሚዖም፥ ካብ ናብ ኢዮርብዓም ምኻድ ተመለሱ።

ሮብዓም ንይሁዳ ኣፅንዐ

ሮብዓም ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጠ፤ ኣብ ይሁዳ ድማ ንምክልኻል ዝኾና ከተማታት ሰርሐ። ንቤተ ልሔም፥ ንዔጣም፥ ንቴቁሔ ሰርሐ፥ ንቤትፁርን ሶኮትን ዓዱላምን፥ ንጌትን ማሪሳን ዚፍን፥ ንኣዶራይምን ለኪሶን ዓዜቃን፥ ንፆርዓን ኤሎንን ኬብሮንን፥ እዘን ኣብ ይሁዳን ብንያምን ዘለዋ ዝተዓረዳ ከተማታት ሰርሐ። ነተን ዕርድታት ኣፅንዐ፤ ኣሕሉቕ ድማ ኣብተን ኣንበረ፤ ምስኡ ኸዓ ዕቋር ምግብን ዘይትን ወይንን ኣንበረ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዋልታን ኲናትን ኣንበረ፤ የመና ኸዓ ኣፅንዐ። ይሁዳን ብንያምን ድማ ናቱ ኾይኖም ተረፉ።

እቶም ኣብ ኵሉ እስራኤል ዝነበሩ ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ካብ ኵሉ ግዝኣቶም ናብኡ መፁ፥ እቶም ሌዋውያን፥ ኢዮርብዓምን ደቁን ካህናት ኣቦና ኾይኖም ከየገልግሉ ስለ ዝኸልከሉዎም፥ መዋፈሪኦምን ርስቶምን ሓዲጎም ናብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከዱ። ንሱ ድማ ነቶም ዀረብታታትን፥ ነቶም ኣጣልን ነቶም ዝሰርሖም ምራኽ ጣዖታት፥ ባዕሉ ካህናት ሸመ። ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ፥ እቶም ንኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ክደልይዎ ልቦም ዘቕንዑ፥ ንኣቦና፥ ኣምላኽ ኣቦታቶም፥ ክስውኡ ንሌዋውያን ስዒቦም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ። ንመንግስቲ ይሁዳ ኣፅንዑ፤ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ንሰለስተ ዓመት ደገፉ፤ ብመንገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ንሰለስተ ዓመት ተመላለሱ እዮም።

ቤተ ሰብ ሮብዓም

ሮብዓም ድማ ንማሓላት፥ ጓል የሪሞት ወዲ ዳዊትን ጓል ዓቢካኢል ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይን፥ ኣእተዋ። ንሳ ኸዓ፥ የዑስን ሸማርያን ዛሃምን ዝበሃሉ ኣወዳት ወለደትሉ። ድሕሪኣ ድማ ንማዓካ ጓል ኣቤሴሎም ኣእተዋ፤ ንሳ ኸዓ ንኣብያን ዓታይን ዚዛን ሸሎሚትን ወለደትሉ። ሮብዓም ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣዋልድን ነበርዎ እሞ፥ ንማዓካ ጓል ኣቤሴሎም ካብ ኵለን ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ኣብሊፁ ኣፍቀራ። ሮብዓም ድማ ነቲ ወዲ ማዓካ ዝኾነ ኣብያ ከንግሶ ስለ ዝሓሰበ፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋቱ ሓለቓ ገበሮ። ብጥበብ ድማ ገበረ፤ ካብ ደቁ ኣብ ኵሉ ክፍላተ ሃገር ይሁዳን ብንያምን፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተዓረደት ከተማ፥ በተኖም፤ ብዙሕ ስንቂ ድማ ሃቦም፤ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ደለየሎም።