ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መዝሙር ንንጉስ

ንመራሕ ዜማ። ብዜማ "ዕምበባ ሱፍ"። ናይ ደቂ ቆሬ መዝሙር ጥበብ። መዝሙር ፍቕሪ።

ናይ ቤተ መንግስቲ ገጣሚ ንንጉስ ዝገበሮ መዝሙር መርዓ፦ ሰይፊ ተዓጢቑ፥ ክዳውንቱ ብከርበን ብዕረታትን ዝጠዓዐ፥ ብስኒ ሓርማዝ ዝተሸለመ ቤተ መንግስቲ፥ መርዓት ቤት ኣቦኣ ክትሓድግ ዝተነግራ። እቲ ማእኸል ነቲ ዙፋን ባዕሉ ኸም ዘለኣለማዊ፥ ብኣቦና ብዘይቲ ሓጐስ ከም ዝተቐብአ ይዛረብ።

ምዕራፍ 45።

ልበይ ብሰናይ ነገር መሊኡ ይፈስስ ኣሎ፤ ግጥመይ ንንጉስ እናነገርኩ፤ ልሳነይ ከዓ ብርዒ ናይ ክኢላ ፀሓፊ እዩ። ካብ ኵሎም ሰባት ዝበልፅ መልክዐኛ ኢኻ፤ ፀጋ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፤ ስለዙይ ኣቦና ንዘለኣለም ባረኸካ። ኣታ ፅኑዕ ሓያል፥ ሰይፍኻ ኣብ ሰለፍካ ተዓጠቕ፤ ብግርማኻን ብክብርኻን። ብግርማኻ ተዓዊትካ ውፃእ፤ ስለ ሓቅን ትሕትናን ፅድቅን፤ የማነይትኻ ድማ ዝፍርሑ ግብርታት ትምህረካ። ፍላፃኻ ኣብ ልቢ ፀላእቲ ንጉስ በሊሕ እዩ፤ ኣህዛብ ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ። ኦ ኣምላኽ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፤ በትሪ መንግስትኻ ከዓ በትሪ ቅንዕና እያ። a a v6 እብራውያን 1:8 ነዛ ፍቕዲ እዚኣ ናብ ኢየሱስ የውዕላ — ኣቦና ንወልድ ኣምላኽ ኢሉ ይፅውዖ፥ ዙፋኑ ኸዓ ንዘለኣለም ዝነብር እዩ። ፅድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅ ከዓ ፀላእኻ፤ ስለዙይ ኣቦና፥ ኣቦኻ፥ ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ። b b v7 እብራውያን 1:9 — ኣቦና ንወልድ ካብ ኵሎም ንላዕሊ ብሓጐስ ይቐብኦ። ኵሉ ክዳውንትኻ ብኸርበን ብዕረታትን ብሳናመኪን ጥዑም ጨና ኣለዎ፤ ካብቲ ብስኒ ሓርማዝ ዝተሸለመ ቤተ መንግስቲ ድማ ዜማ መሰንቆ የሐጕሰካ።

ኣዋልድ ነገስታት ኣብ መንጎ ክቡራት ኣንስትኻ ኣለዋ፤ ኣብ የማንካ ድማ ንግስቲ ብወርቂ ኦፊር ተኸዲና ደው ኢላ ኣላ። c c v9 ኦፊር ነቲ ኣብ ዓለም ዝበለፀ ወርቂ ብምፍራይ ዝተፈለጠት ጥንታዊት ሃገር ነበረት። ኣቲ ጓለይ፥ ስምዒ፤ ኣስተውዕሊ ፅን ድማ በሊ፦ ህዝብኺ ቤት ኣቦኺ ረስዒ፤ ንጉስ ድማ ፅባቐኺ ክብህግ እዩ። ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ። ጓል ጢሮስ ገፀ በረከት ሒዛ ትመፅእ፤ እቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ ዘለዉ ሃብታማት ሞገስኺ ክደልዩ እዮም። ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጣ ኵላ ክብርቲ እያ፤ ክዳና ብወርቂ ዝተፈትለ እዩ። ብዝተጠልፈ ክዳን ናብ ንጉስ ትምራሕ፤ እተን ብፆታ ኣዋልድ ድማ ደድሕሪኣ ናባኻ ይምፅኣ።

ብሓጐስን ብደስታን ይምርሓ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ይኣትዋ። ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ደቅኻ ክኾኑ እዮም፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ድማ መሳፍንቲ ክትገብሮም ኢኻ። ንስምካ ኣብ ኵሉ ወለዶ ከዘክሮ እየ፤ ስለዙይ ኣህዛብ ንዘለኣለመ ኣለም ከመስግኑኻ እዮም።