ኣቦ ንሙሴ ተዛረቦ
ድሕሪ ሕርሲ ሰበይቲ ምእንቲ ወዲ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ምእንቲ ጓል ከዓ ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ርኽስቲ ትኸውን፥ ደሓር ከዓ ናብ ዝኾነ ቅዱስ ነገር ቅድሚ ምቕራባ ዝነውሐ ምንፅሃ ትፍፅም። ጡበት በጊዕን ዒፍን ተምፅእ፥ ንጡበት በጊዕ ዓቕሚ እንተ ዘይብላ ኸዓ ክልተ ኣዕዋፍ።
12 1ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሰበይቲ ፀኒሳ ወዲ እንተ ወለደት፥ ከምቲ ብመዓልቲታት ወርሓዊ ፅገኣ ርኽስቲ ኽትከውን፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ርኽስቲ ትኸውን። 3ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ቝልፈቱ ይግረዝ። 4ንሳ ድማ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ኣብ ደም ምንፅሃ ትፅናሕ። መዓልቲታት ምንፅሃ ኽሳዕ ዝፍፀም ድማ ቅዱስ ዝኾነ ኣይትንከእ፤ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ። 5ጓል እንተ ወለደት ግና ከምቲ ብፅገኣ፥ ክልተ ሰሙን ርኽስቲ ትኸውን፤ ድሕሪኡ ድማ ስሳን ሽዱሽተን መዓልቲ ኣብ ደም ምንፅሃ ትፅናሕ።
6“ምእንቲ ወዲ ወይ ጓል፥ መዓልቲታት ምንፅሃ ምስ ተፈፀመ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ከዓ ጫቚታት ርግቢ ወይ ባሪቶ፥ ናብ ካህን፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተምፅእ። 7ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና የቕርቦ እሞ የስተስርየላ፤ ካብ ምፍሳስ ደማ ድማ ትነፅህ። ብዛዕባ እታ ወዲ ወይ ጓል እትወልድ ሰበይቲ፥ ሕጊ እዙይ እዩ።
8“ንጡበት በጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብላ ግና፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ፥ ሓንቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓንቲ ኸዓ ምእንቲ ሓጢኣት ትውሰድ። እቲ ኻህን ድማ የስተስርየላ፤ ንሳውን ትነፅህ።” a a v8 እታ ስድራ ንጡበት በጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ ምስ ዘይብላ፥ ኣቦና በዝ ዝነኣሰ ህያብ ንድኻታት ቦታ ገበረሎም — እዝውን እቲ ማርያም ንኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ከተቕርቦ እንተላ ዘምፅአቶ መስዋእቲ ባዕሉ እዩ።