ናባይ ደይብ
ሙሴ ነቲ ኪዳን ዓው ኢሉ ኣንበበ፥ እቶም ህዝቢ ድማ ክንገብሮ ኢና ኢሎም መለሱ፤ ንሱ ኸዓ ደም ኪዳን ኣብ ልዕሊኦም ነፀገ። እቶም ዓበይቲ ናብ እምባ ደይቦም ንኣቦ እስራኤል ኣብ ትሕቲ እግሩ ናይ ሰንፔር ንጣፍ እናሃለዎ ረአዩ፥ በልዑን ሰተዩን። ሙሴ ኸዓ ናብ ደመና ኣተወ።
24 1ንሙሴ ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣብዩድን ሰብዓ ዓበይቲ እስራኤልን ናባይ ደይቡ፤ ካብ ርሑቕ ኰይንኩም ድማ ስገዱ። 2ሙሴ ጥራሕ እዩ ናባይ ዝቐርብ፤ እቶም ካልኦት ግና ኣይቕረቡ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ምስኡ ኣይደይቡ።”
3ሙሴ ድማ መፂኡ ንህዝቢ ኵሉ ቃላት ኣቦናን ኵሉ ፍርድታትን ነገሮም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ብሓደ ድምፂ ኰይኖም “ኵሉ እቲ ኣቦና ዝበሎ ክንገብሮ ኢና” ኢሎም መለሱ።
4ሙሴ ድማ ንኵሉ ቃላት ኣቦና ፀሓፈ፤ ንግሆ ኣንጊሁ ተሲኡ ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ መሰውኢ ሰርሐ፤ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ ዓሰርተ ኽልተ ኣዕምዲ ኣቘመ። 5መንእሰያት ደቂ እስራኤል ድማ ለኣኸ፤ ንሳቶም ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ ንኣቦና ድማ መስዋእቲ ሰላም ዝኸውን ዝራብዓት ሰውኡ። 6ሙሴ ድማ ፍርቂ ናይቲ ደም ወሲዱ ኣብ ገበራታት ገበሮ፤ ነቲ ሓደ ፍርቂ ድማ ኣብ መሰውኢ ነፀጎ። 7ሽዑ ነቲ መፅሓፍ ኪዳን ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሉ ኣንበቦ። ንሳቶም ድማ “ኵሉ እቲ ኣቦና ዝተዛረቦ ክንገብሮን ክንእዘዞን ኢና” በሉ።
8ሙሴ ድማ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ነፀጎ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እንሆ፥ እዚ እቲ ኣቦና በዝ ኵሉ ቃላት እዚ ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኪዳን ደም እዩ።” a a v8 እቲ ደም ኣብ መንጎ እቶም ህዝብን ኣቦናን ነቲ ኪዳን ሓተሞ፤ ኢየሱስ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ፅዋዕ ነዘን ቃላት እዚኣተን ባዕለን ኣልዒሉ፥ "እዚ ደም ኪዳነይ እዩ" በለ፤ ናይ ገዛእ ርእሱ ደም ድማ ናይቲ ናብ ገዛና ዝመልሰና ሓዱሽ ኪዳን ማሕተም ገበሮ።
9ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ናዳብን ኣብዩድን ሰብዓ ዓበይቲ እስራኤልን ደየቡ። 10ንኣቦ እስራኤል ድማ ረአዩ፤ ኣብ ትሕቲ እግሩ ድማ ከም ናይ ሰንፔር ንጣፍ ዝኾነ፥ ከም ሰማይ ባዕሉ ዝፀረየ ነገር ነበረ። 11ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ድማ ኢዱ ኣይዘርግሐን፤ ንኣቦና ረአዩ፤ በልዑን ሰተዩን።
12ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ናብ እምባ ናባይ ደይብ፤ ኣብኡ ድማ ፅናሕ፤ ፅላት እምኒ፥ ማለት ነቲ ንምምሃሮም ዝፀሓፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ።”
13ሙሴ ድማ ምስ ኣገልጋሊኡ ኢያሱ ተሲኡ፥ ናብ እምባ ኣቦና ደየበ። 14ነቶም ዓበይቲ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ክሳዕ ናባኻትኩም እንምለስ ኣብዙይ ተፀበዩና። እንሆ፥ ኣሮንን ሆርን ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ባእሲ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ናባታቶም ይቕረብ።”
15ሙሴ ናብ እቲ እምባ ምስ ደየበ፥ እቲ ደመና ነቲ እምባ ሸፈኖ፥ 16ክብሪ ኣቦና ድማ ኣብ ልዕሊ እምባ ሲና ዓረፈ፤ እቲ ደመና ድማ ሽዱሽተ መዓልቲ ሸፈኖ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ካብ ማእኸል እቲ ደመና ንሙሴ ፀውዖ። 17ትርኢት ክብሪ ኣቦና ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ከም ዝባላዕ ሓዊ ነበረ። 18ሙሴ ድማ ናብ ማእኸል እቲ ደመና ኣትዩ ናብ እቲ እምባ ደየበ፤ ሙሴ ኸዓ ኣብቲ እምባ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ።