ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

በዓል ፋሲካ ኣቦና

ፋሲካን በዓል ሰሙናትን በዓል ዳስን ነቲ ዓመት የመልክትዎ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብታ ኣቦና ዝሓረያ ቦታ ይከበር፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንግዙኣትን ንሌዋውያንን ንስደተኛታትን ንደኽታምን ንመበለትን ኣብቲ ሓጐስ የሳትፍ። ሽዑ ድማ ኣብ ኵላ ኸተማ ፈራዶ ይሽየሙ፦ ጥዉይ ፍርዲ የለን፥ ጉቦ ኸዓ የለን። ንፍትሒ፥ ንፍትሒ ጥራሕ ስዓብ።

ምዕራፍ 16።

ወርሒ ኣቢብ ሓሉ፤ ንኣቦኻ ድማ ፋሲካ ኣብዕል፤ ኣቦኻ ብወርሒ ኣቢብ ብለይቲ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ። ኣብታ ኣቦኻ ስሙ ኣብኣ ኼንብር ዝሓረያ ቦታ፥ ካብ ኣባጊዕን ካብ ኸፍትን ንኣቦኻ ፋሲካ ሕረዶ። a a v2 እታ ኣቦ ስሙ ኣብኣ ኼንብር ዝሓረያ ቦታ፥ ናብታ ውሉዱ ብመንፈስን ብሓቅን ብኢየሱስ ጌሮም ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝሰግዱሉ መዓልቲ እተመልክት ነበረት። ምስኡ ዝበዅዐ እንጀራ ኣይትብላዕ። ካብ ምድሪ ግብፂ ቀልጢፍካ ወፂእኻ ኢኻ እሞ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስኡ ዘይበዅዐ ቕጫ፥ እንጀራ መከራ፥ ብላዕ፤ ከምዙይ ድማ ነታ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፃእኻላ መዓልቲ ብዅሉ ዘመን ህይወትካ ዘክር። ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ዶብካ መባዅዕቲ ኣይረኸብ፤ ካብቲ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ምሸት እትሓርዶ ስጋ ኸዓ ኽሳዕ ንግሆ ሓደ እኳ ኣይሕደር። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣቦኻ ዝህበካ ኸተማታት ፋሲካ ኣይትሕረድ፤ ኣብታ ኣቦኻ ስሙ ኼንብረላ ዝሓረያ ቦታ ደኣ፥ ኣብታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኻላ ጊዜ፥ ምሸት፥ ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ፥ ኣብኣ ፋሲካ ሕረዶ። ኣብታ ኣቦኻ ዝሓረያ ቦታ ኸዓ ኣብሲልካ ብላዓዮ፤ ንግሆ ድማ ተመሊስካ ናብ ድንኳናትካ ኪድ። ሽዱሽተ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ብላዕ፤ በታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ድማ ንኣቦኻ ፅኑዕ ጉባኤ ግበር፤ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስራሕ።

በዓል ሰሙናት

ሸውዓተ ሰሙን ንባዕልኻ ቑፀር፤ ካብቲ ማዕፀድ ኣብ ዝሩእ ዝኣትወሉ ጀሚርካ ሸውዓተ ሰሙን ክትቈፅር ጀምር። ንኣቦኻ በዓል ሰሙናት ኣብዕል፤ ከምቲ ኣቦኻ ዝባረኸካ መጠን፥ ካብ ኢድካ ናይ ፍቓድ መባእ ኣቕርብ። ኣብታ ኣቦኻ ስሙ ኣብኣ ኼንብር ዝሓረያ ቦታ፥ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ኣግዛእትኻን እቲ ኣብ ከተማታት ዘሎ ሌዋዊን እቲ ስደተኛን እቲ ደኽታምን እታ ኣብ ማእኸልካ ዘላ መበለት፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ተሓጐሱ። ኣብ ግብፂ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፤ ነዞም ሕግጋት እዚኣቶም ድማ ተጠንቂቕካ ሓሉ።

በዓል ዳስ

ካብ ዓውድኻን ካብ መፅመቝ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፥ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ ኣብዕል። b b v13 ዳስ፦ እስራኤል ኣብ በረኻ ዝተንከራተቱሎም ዓመታት ዘዘኻኽር፥ ካብ ጨናፍር እተሰርሐ ግዝያዊ መፅለሊ እዩ። ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ኣግዛእትኻን እቲ ሌዋዊን እቲ ስደተኛን እቲ ደኽታምን እታ ኣብ ከተማታት ዘላ መበለት፥ በዓልካ ተሓጐሱ። ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ሸውዓተ መዓልቲ ንኣቦኻ በዓል ኣብዕል፤ ብዅሉ እቶትካን ብዅሉ ተግባር ኢድካ ኪባርኸካ እዩ እሞ፥ ምሉእ ብምሉእ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ፥ በዓል ቅጫን በዓል ሰሙናትን በዓል ዳስን፥ ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ይረአ። ጥራሕ ኢዱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኣይረአ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምቲ ኣቦኻ ዝሃበካ በረኸት መጠን፥ ከም ውህብቶ ኢዱ ይሃብ።

ፈራዶን ቅኑዕ ፍርድን

ኣብ ኵለን ኣቦኻ ዝህበካ ኸተማታት፥ በብነገድካ ፈራዶን ኣሕሉቕን ሹም፤ ንሳቶም ድማ ነቲ ህዝቢ ብቕኑዕ ፍርዲ ይፍረድዎ። ጉቦ ኣዒንቲ ጠቢባን የዕውር፥ ዘረባ ፃድቃን ከዓ የቐይንን እዩ እሞ፥ ፍርዲ ኣይተቐይንን፤ ገፅ ኣይትርአ፤ ጉቦ ኣይትቀበል። ህያው ክትከውን ነታ ኣቦኻ ዝህበካ ምድሪ ክትወርሳን፥ ፅድቂ፥ ፅድቂ ጥራሕ ስዓብ።

ንኣቦኻ ንበይኑ ኣምልኽ

ኣብ ጥቓ እቲ እትሰርሖ መሰውኢ ኣቦኻ፥ ዝኾነ ኦም ከም ኣስታሮት ጌርካ ንባዕልኻ ኣይትትከል። ኣቦኻ ዝፀልኦ ሓወልቲ ጣዖት ከዓ ንባዕልኻ ኣይትተክል።