ዳዊት ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ኵሉ እስራኤል ዝሃቦ ትእዛዝ
ዳዊት ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ጉባኤ፥ ከም ተዋጋኢ ሰብ ቤተ መቕደስ ከም ዝተኸልከሎ ብግልፂ ተዛረበ፤ ንሰሎሞን ከዓ እቲ ዝተፅሓፈ ንድፊ ሃቦ። ትእዛዙ ቐጥታዊ እዩ፦ ንኣቦኻ ፍለጥ፥ ብምሉእ ልብኻ ኣገልግሎ፥ ፅናዕ፥ ነቲ ስራሕ ግበር፥ ንሱ ኣይሓድገካን እዩ።
28 1ዳዊት ንዅሎም ሹመኛታት እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከበ፦ ሹመኛታት ነገዳት፥ ነቶም ንንጉስ ዘገልግሉ ኣሕሉቕ ሰራዊት፥ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ጥሪትን ማል ንጉስን ደቁን ዝተሸሙ ኣመሓደርቲ፥ ምስ ሹመኛታት ቤተ መንግስትን ሓያላትን ኵሎም ጀጋኑ ተዋጋእትን። 2ንጉስ ዳዊት ብእግሩ ተሲኡ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣሕዋተይን ህዝበይን፥ ስምዑኒ። ንታቦት ኪዳን ኣቦናን ንመርገፂ እግሩን መዕረፊ ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ኣብ ልበይ ኔሩ፤ ክሰርሖ ድማ ተዳሎኹ። 3ኣቦና ግና “ንስኻ ተዋጋኢ ሰብ ኢኻ፥ ደም ከዓ ኣፍሲስካ ኢኻ እሞ፥ ንስመይ ቤት ኣይትሰርሕን ኢኻ” በለኒ። 4ናይ እስራኤል ኣቦና ግና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ክነግስ ካብ ኵሉ ቤት ኣቦይ ሓረየኒ። ኣቦና ንይሁዳ ኽመርሕ ሓርዩ እዩ እሞ፥ ኣብ ውሽጢ ቤት ይሁዳ ድማ ንቤት ኣቦይ ሓረየ፤ ካብ ደቂ ኣቦይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ኵሉ እስራኤል ንጉስ ክገብረኒ ፈተወ። 5ካብ ኵሎም ደቀይ—ኣቦና ብዙሓት ሂቡኒ እዩ—ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዙፋን መንግስቲ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክቕመጥ ሓረዮ። 6ከምዙይ ከዓ በለኒ፦ “ወድኻ ሰሎሞን ቤተይን ኣፀደይን ክሰርሕ እዩ፤ ከም ወደይ ገይረ ሓርየዮ እየ እሞ፥ ኣነ ኸዓ ኣቦኡ ክኸውን እየ።” 7ከምዝ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎ፥ ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ክሕሉ ፅኑዕ እንተ ኾይኑ፥ ንመንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዓ እየ።
8“እምበኣር ሕዚ ኣብ ቅድሚ ኵሉ እስራኤል፥ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ኣቦናን ንሱ እናሰምዐን፥ ነዛ ፅብቕቲ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርስዋ እሞ ንዘለኣለም ነቶም ድሕሬኹም ዝመፁ ደቅኹም ምእንቲ ኽትገድፉላ፥ ንዅሉ ትእዛዛት ኣቦኹም ሓልዉ፥ ድለዩ ድማ። 9ንስኻ፥ ኦ ወደይ ሰሎሞን፥ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጥ፥ ብምሉእ ልብን ብፍቓደኛ መንፈስን ከዓ ኣገልግሎ፤ ኣቦና ንዅሉ ልቢ ይምርምር፥ ንዅሉ ምኽርን ሓሳብን የስተውዕል እዩ እሞ። እንተ ደለኻዮ ኽትረኽቦ ኢኻ፤ እንተ ሓደግካዮ ኸዓ ንዘለኣለም ክነፅገካ እዩ። 10ሕዚ ኣስተውዕል፥ ኣቦና ንመቕደስ ዝኸውን ቤት ክትሰርሕ ሓርዩካ እዩ እሞ። ፅናዕ፥ ግበር።”
11ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን ንድፊ ገበላ ቤተ መቕደስን፥ ኣባይቱን፥ መዛግቡን፥ ደርቢታቱን፥ ውሽጣዊ ክፍልታቱን፥ ነቲ ክፍሊ መዳንፀ ምሕረትን ሃቦ፥ a a v11 መዳንፀ ምሕረት ማለት እቲ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ዝነበረ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ መዳንፀ ታቦት ኪዳን እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ህላወ እግዚኣብሄር ይሓድር ነበረ። 12ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበሮ ኵሉ ንድፊ ድማ ሃቦ፦ ንኣፀድ ቤት ኣቦናን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ዙርያ ዝነበረ ክፍልታትን፥ ንመዛግብ ቤቱን፥ ንመዛግብ እቲ ዝተቐደሰ መባእን፤ 13ንጕጅለታት ካህናትን ሌዋውያንን፥ ንዅሉ ስራሕ ኣገልግሎት ቤት ኣቦናን፥ ንዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ቤቱን። 14ንነፍሲ ወከፍ ኣቑሑ ወርቂ ንነፍሲ ወከፍ ዓይነት ኣገልግሎት ዝኸውን፥ ወርቂ ብሚዛን ሃበ፤ ንነፍሲ ወከፍ ኣቑሑ ብሩር ንነፍሲ ወከፍ ዓይነት ኣገልግሎት ዝኸውን ከዓ፥ ብሩር ብሚዛን ሃበ። 15ንቐዋሚ ቐንዲላት ወርቅን ንመብራህቶም ወርቅን ዝኸውን ሚዛን ድማ ሃበ፤ ንነፍሲ ወከፍ ቐዋሚ ቐንዲል ወርቅን ንመብራህቱን ዝኸውን ሚዛን ወርቂ፥ ንነፍሲ ወከፍ ቐዋሚ ቐንዲል ብሩርን ንመብራህቱን ዝኸውን ሚዛን ብሩር ከዓ፥ ከከም ኣጠቓቕማ ነፍሲ ወከፍ ቐዋሚ ቐንዲል ሃበ። 16ንነፍሲ ወከፍ ጠረጴዛ እንጀራ ገፅ ዝኸውን ሚዛን ወርቂ፤ ንጠረጴዛታት ብሩር ከዓ ብሩር ሃበ። b b v16 እንጀራ ገፅ (ሕብስተ ገፅ ተባሂሉ ኸዓ ዝፅዋዕ) ማለት እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጠረጴዛ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኵሉ ሰናብቲ ድማ ብካህናት ዝልወጥ ዝነበረ ዓሰርተ ኽልተ ቅዱሳን ሕብስቲ እዩ። 17ውንጭሕትን ሒላባትን ዅስኵስትን ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሑ፤ ንነፍሲ ወከፍ ፅዋዕ ወርቂ ዝኸውን ሚዛን፤ ንነፍሲ ወከፍ ፅዋዕ ብሩር ዝኸውን ሚዛን፤ 18ንመሰውኢ ዕጣን ዝኸውን ድማ ፅሩይ ወርቂ ብሚዛን ሃበ፤ ንስርሓት እቲ ሰረገላ ማለት ነቶም ኣኽናፎም ዘርጊሖም ንታቦት ኪዳን ኣቦና ዝኽድኑ ኪሩቤል ዝኸውን ወርቂ ድማ ሃበ። 19ዳዊት ድማ “እዝ ኵሉ ካብ ኢድ ኣቦና ዝመፀ ፅሑፍ እዩ፤ ንሱ ንዅሉ ዝርዝር እቲ ንድፊ ከም ዝርድኣኒ ገይሩኒ እዩ” በለ።
20ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን ከምዙይ በሎ፦ “ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ነቲ ስራሕ ከዓ ግበሮ። ኣቦይ ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ። ኵሉ እቲ ናይ ኣገልግሎት ቤት ኣቦና ስራሕ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ኣይጠልመካን፤ ኣይሓድገካንውን እዩ። 21እንሆ፥ ካህናትን ሌዋውያንን ንዅሉ ኣገልግሎት ቤት ኣቦና ተኸፊሎም ተዳልዮም ኣለዉ። ፍቓደኛ ዝኾነ ኵሉ ጥበበኛ ሰብ ድማ ኣብ ዝኾነ ስራሕ ክተሓባበረካ እዩ፤ ሹመኛታትን ኵሉ እቲ ህዝብን ከዓ ፈፂሞም ኣብ ትእዛዝካ እዮም።”