ንደገታት ኣቦና ዝተሸሙ ሓለውቲ ኣፍ ደገ
ሓለውቲ ኣፍ ደገ ብዕፃ ናብ ነፍሲ ወከፍ ወገን ቤት ኣቦና ተመደቡ፥ እቶም ሓያላት ደቂ ዖቤድ ኤዶም ድማ ንስራሕ ክኢላታት ሰባት ኮይኖም ተቘፅሩ። ካልኦት ነቲ ዝተቐደሰ መዝገብን ምርኮ ውግእን ይከታተሉ፥ ገሊኦም ድማ ሹመኛታትን ፈረድትን ኮይኖም ይልኣኹ።
26 1ናይ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ክፍሊ ኸምዙይ ነበረ፦ ካብ ደቂ ቆሬ መሰለምያ ወዲ ቆሬ፥ ካብ ደቂ ኣሳፍ። 2መሰለምያ ድማ ኣወዳት ነበርዎ፦ ዘካርያስ በዅሪ፥ የዲኤል ካልኣይ፥ ዘባድያ ሳልሳይ፥ የትኒኤል ራብዓይ፥ 3ዔላም ሓምሻይ፥ ዮሃናን ሻድሻይ፥ ኤልዮዔናይ ሻብዓይ። 4ዖቤድ ኤዶም ድማ ኣወዳት ነበርዎ፦ ሳማያ በዅሪ፥ ዮዛባድ ካልኣይ፥ ዮኣሕ ሳልሳይ፥ ሳካር ራብዓይ፥ ናትናኤል ሓምሻይ፥ 5ዓሚኤል ሻድሻይ፥ ይሳኮር ሻብዓይ፥ ፐዑልታይ ሻምናይ፤ ኣቦና ባሪኽዎ ነበረ እሞ። 6ነቲ ወዱ ሳማያ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦኦም ዝገዝኡ ኣወዳት ተወለዱሉ፤ ጀጋኑ ሓያላት ስለ ዝነበሩ። 7ደቂ ሳማያ፦ ዖትኒ፥ ራፋኤል፥ ዖቤድ፥ ኤልዛባድ፤ ኣሕዋቶም ኤሊሁን ሰማክያን ክኢላታት ሰባት ነበሩ። 8እዚኣቶም ኵሎም ካብ ደቂ ዖቤድ ኤዶም ነበሩ፤ ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶም፥ ንስራሕ ሓያላትን ክኢላታት ነበሩ፤ ካብ ዖቤድ ኤዶም ድማ ስሳን ክልተን ነበሩ። 9መሰለምያ ድማ ኣወዳትን ኣሕዋቱን ክኢላታት ሰባት ነበርዎ፤ ብድምር ዓሰርተ ሸሞንተ ነበሩ። 10ካብ ደቂ ሜራሪ ዝኾነ ሖሳ ድማ ኣወዳት ነበርዎ፦ ሺምሪ እቲ ሓለቓ፤ በዅሪ እኳ እንተ ዘይነበረ፥ ኣቦኡ ሓለቓ ገበሮ። 11ሒልቅያ ካልኣይ፥ ጠባልያ ሳልሳይ፥ ዘካርያስ ራብዓይ፤ ደቂ ሖሳን ኣሕዋቶም ብድምር ዓሰርተ ሰለስተ ነበሩ።
12እዚኣቶም ክፍሊ ሓለውቲ ኣፍ ደገ፥ ብሓለቓታቶም ዝተሸሙ፥ ከምቶም ኣሕዋቶም ኣብ ቤት ኣቦና የገልግሉ ነበሩ። 13ንነፍሲ ወከፍ ደገ ድማ፥ ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ማዕረ፥ በብማይ ቤቶም ዕፃ ኣውደቑ። 14እቲ ናይ ምብራቕ ዕፃ ድማ ንሸለምያ በፅሖ። ንወዱ ዘካርያስ፥ ለባም ኣማኻሪ፥ ዕፃ ኣውደቑሉ፤ ዕፅኡ ድማ ናብ ሰሜን ወፀ። 15ንዖቤድ ኤዶም ድማ ናይ ደቡብ በፅሖ፤ ንደቁ ኸዓ እቲ መኽዘን በፅሖም። 16ንሹፒምን ንሖሳን ድማ ናይ ምዕራብ በፅሖም፤ ምስቲ ኣብቲ ዓቐበት መንገዲ ዘሎ ደገ ሻለኸት፥ ዘብዐኛ ኣብ መንፅር ዘብዐኛ። 17ብወገን ምብራቕ ሽዱሽተ ሌዋዊን ይቖሙ ነበሩ፥ ብወገን ሰሜን በብመዓልቱ ኣርባዕተ፥ ብወገን ደቡብ በብመዓልቱ ኣርባዕተ፥ ኣብቲ መኽዘን ድማ ክልተ ክልተ። 18ኣብቲ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ኣፀድ ድማ፥ ኣብ መንገዲ ኣርባዕተ፥ ኣብቲ ኣፀድ ከዓ ክልተ። 19እዚኣቶም ካብ ደቂ ቆሬን ካብ ሜራራውያን ዝኾኑ ክፍሊ ሓለውቲ ኣፍ ደገ እዮም።
ሓለውቲ መዛግብን ሹማምትን ፈረድትን ኣቦና
20ኣኪያ እቲ ሌዋዊ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ መዛግብ ቤት ኣቦናን ኣብ ልዕሊ መዛግብ እቲ ዝተቐደሰ መባእን ይኣሊ ነበረ። 21ደቂ ላዳን፥ እቶም ናይ ላዳን ዝኾኑ ጌርሾናውያን፥ ሓለቓታት ማይ ቤት ላዳን ጌርሾናዊ፦ የሕኤሊ። 22ደቂ የሕኤሊ፥ ዜታምን ኢዩኤል ሓዉን ድማ፥ ኣብ ልዕሊ መዛግብ ቤት ኣቦና ይኣልዩ ነበሩ። 23ካብ ዓምራማውያን፥ ካብ ይስሃራውያን፥ ካብ ኬብሮናውያን፥ ካብ ዑዝኤላውያን፦ 24ሸቡኤል ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም መዛግብ ሓለቓ ሹም ነበረ። 25ኣዝማዱ ኸዓ ብኤልኤዘር፦ ወዱ ረሃብያ፥ ወዱ የሻያ፥ ወዱ ኢዮራም፥ ወዱ ዝክሪ፥ ወዱ ሰሎሚት። 26ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ድማ፥ ንጉስ ዳዊትን ሓለቓታት ማይ ቤትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ሓለቓ ሰራዊትን ዝቐደስዎ ዅሉ መዛግብ መባእ ይኣልዩ ነበሩ። 27ካብቲ ኣብ ውግኣት ዝዘመትዎ ምርኮ ድማ፥ ቤት ኣቦና ንምዕዛዝ መባእ ቀደሱ። 28ሳሙኤል እቲ ረኣዪ፥ ሳኦል ወዲ ቂስ፥ ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ዝቐደስዎ ዅሉ፥ ዝኾነ ዝተቐደሰ ነገር ኵሉ፥ ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ይኣልይዎ ነበሩ።
29ካብ ይስሃራውያን ድማ፥ ከናንያን ደቁን፥ ንደገ ወፃኢ ዝኾነ ናይ እስራኤል ነገር ሹማምትን ፈረድትን ኮይኖም የመሓድሩ ነበሩ። 30ካብ ኬብሮናውያን ድማ፥ ሃሻብያን ኣዝማዱን፥ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ክኢላታት ሰባት፥ ንዅሉ ስራሕ ኣቦናን ንኣገልግሎት ንጉስን ኣብ ምዕራብ ዮርዳኖስ ዝነበረ እስራኤል ይኣልዩ ነበሩ። 31ካብ ኬብሮናውያን ድማ፥ ከም ዝኽሪ ማይ ቤቶም፥ የሪያ ሓለቓ ነበረ። ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት ዳዊት ድማ፥ ኣብ ያዕዘር ናይ ገለዓድ፥ ተደልዮም ካብኣቶም ክኢላታት ሰባት ተረኽቡ። 32ኣዝማድ የሪያ ድማ፥ ክልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ክኢላታት ሰባት፥ ሓለቓታት ማይ ቤት ነበሩ። ንጉስ ዳዊት ከዓ፥ ንዅሉ ነገር ኣቦናን ንጉስን፥ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ሸመሎም።