ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ደቂ ዳዊት፦ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣቦ

ደቂ ዳዊት በብኣዲኦምን በብቦታ ልደቶምን ተዘርዚሮም ኣለዉ፥ ሽዑ እቲ ዙፋን ካብ ሰሎሞን ክሳዕ ኢዮስያስ በብስሙ ይሓልፍ፥ ናብ ምርኮ ኸዓ ምስ ኢኮንያን እቲ ምሩኽ ትኽ ኢሉ ይኣቱ። እቲ ሓረግ ኣብኡ ጠጠው ኣይብልን፤ ብሕቡእ ደኣ ብዘሩባቤል ኣቢሉ ክሳዕ እቶም ድሕሪ ባቢሎን ዝተወለዱ ሰባት ይቕፅል።

ምዕራፍ 3።

ደቂ ዳዊት እቶም ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ በዅሩ ኻብ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወለደ ኣምኖን፤ ካልኣዩ ኻብ ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ዝተወለደ ዳንኤል፤ ሳልሳይ ኣቤሴሎም ወዲ መዓካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር፤ ራብዓይ ኣዶንያስ ወዲ ሓጊት፤ ሓምሻይ ካብ ኣቢጣል ዝተወለደ ሰፋጥያስ፤ ሻድሻይ ካብ ዔግላ ሰበይቱ ዝተወለደ ይትረሃም። እዞም ሽዱሽተ ኣብ ኬብሮን ተወለዱሉ፤ ኣብኡ ድማ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ድማ፦ ሳሚዓ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፤ እዞም ኣርባዕተ ኻብ ቤትሹዓ ጓል ዓሚኤል ተወለዱ፤ ኢያቤሓር፥ ኤሊሳማ፥ ኤሊፋላት፥ ኖጋ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥ ኤሊሳማ፥ ኢሊዳሄ፥ ኤሊፋላት፤ ኵሎም ትሽዓተ እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዳዊት እዮም፤ ብዘይ ደቂ እተን ኣንስቱ ወሰን፤ ትእማር ከዓ ሓፍቶም ነበረት።

ወዲ ሰሎሞን ሮብዓም፤ ኣብያ ወዱ፥ ኣሳ ወዱ፥ ኢዮሳፍጥ ወዱ፥ ኢዮራም ወዱ፥ ኣካዝ ወዱ፥ ኢዮኣስ ወዱ፥ ኣማስያስ ወዱ፥ ኣዛርያስ ወዱ፥ ኢዮኣታም ወዱ፥ ኣካዝ ወዱ፥ ሕዝቅያስ ወዱ፥ ምናሴ ወዱ፥ ኣሞን ወዱ፥ ኢዮስያስ ወዱ። ደቂ ኢዮስያስ፦ በዅሩ ዮሃናን፥ ካልኣዩ ኢዮአቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሳሉም። ደቂ ኢዮአቄም፦ ኢኮንያን ወዱ፥ ሴዴቅያስ ወዱ።

ደቂ ኢኮንያን እቲ ምሩኽ፦ ሰላትያል ወዱ፥ መልክራም፥ ፈዳያ፥ ሸናሶር፥ ይቃምያ፥ ሆሻማ፥ ነዳብያ። ደቂ ፈዳያ፦ ዘሩባቤልን ሳሚን። ደቂ ዘሩባቤል፦ መሱላምን ሃናንያን፥ ሰሎሚት ከዓ ሓፍቶም፥ ሃሱባ፥ ኦሄል፥ በረክያ፥ ሃሳድያ፥ ዩሻብሔሰድ፤ ሓሙሽተ። ደቂ ሃናንያ፦ ፈላጥያን ኢሳይያን፤ ደቂ ሬፋያ፥ ደቂ ኣርናን፥ ደቂ ኣብድዩ፥ ደቂ ሰካንያ። ደቂ ሰካንያ፦ ሳማያ። ደቂ ሳማያ፦ ሃጡስ፥ ይግዓል፥ ባርያ፥ ነዓርያ፥ ሳፋጥ፤ ሽዱሽተ። ደቂ ነዓርያ፦ ኤልዮዔናይ፥ ሕዝቅያ፥ ዓዝሪቃም፤ ሰለስተ። ደቂ ኤልዮዔናይ፦ ሆዳውያ፥ ኤልያሺብ፥ ፈላያ፥ ዓቁብ፥ ዮሃናን፥ ደላያ፥ ዓናኒ፤ ሸውዓተ።